2011-01-15 14:17:43

ስፐይን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፅእና ክእወጀሎም ምዃኑ ትማሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ሎምባርዲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ RealAudioMP3 እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ማድሪክ ክካይድ ውሳኔ ኣብ ዝሃብሉ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣስተምህሮን ምዕዳንን ምስክርነትን ስብከትን ከቕርቡን ምስ መንሰያት ተራኺቦም ንናይ መንሰያት ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ዝሳተፍሉ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት ዘተኣኻኽብ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ምስንዳዋት ይካየድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ዕለት 10 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ዝተጀመረ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ኣብ ማድሪድ ክፍለ ከተማ ኤስኮሪያል ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልኡኻትን ናይ ማድሪድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ስፐይን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣሰናዳኢት ኮሚቴን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ መእሰያትን ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይን ዝሓልዩ ናይ ኩለን ሃገራት ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርርታት ድርገት ኣባላት ንዝሳተፍሉ ኣኼባ ናይ ሓጎስን ደስታም ምኽንያት ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብዚ ሎሚ ዝዛዘም ጉባኤ ካብ 84 ዝተፈላለያ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ካብ 44 ካቶሊክ ምንቅስቃሳት ዝተዋጽኡ ልኡኻት ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እዚኣብሔር ናይቲ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዘበገሱ ብምዃኖም ብፅዕ ዝበሃሉላ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ንምላእ መንሰይ ዓለም ዝተቐደሰት ዓባይ መዓልቲ ምዃና ይገልጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.