2011-01-13 13:39:16

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሓደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሚዮም


ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ሳልቫዶር ዳ ባሂያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጀራርልዶ ማጀላ ኣኜሎ ብዕድመ ምኽንያት ናይ ሳው ሳልቫዶር ዳ ባሂያ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብውሳኔ ሕገ ቀኖና መሠረት ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ከምዘረከቡን ቅዱስነቶም ፍቓድ ብፁዕ ካርዲናል ማጀላ ኣኜሎ እወንታው መልሲ ድሕሪ ምሃቦም ክሳብ’ዛ እዋን እዚኣ RealAudioMP3 ኣብ ብራዚል ናይ ፍሎሪያኖፖሊስ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ክራይገር ናይ ሳው ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም እንክንገር፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃይቲ ናይ ዲ ለስ ካየስ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ጉይረ ፑላርድ ናይ ፖርት ኣኡ ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑn ናይ ብፁዕነቶም ተሓባሪ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይ ፖርት ኣው ፕሪንስ ሰበኻ ውሉደ ክህነት ኣባል፣ ብፁዕ ኣቡነ ግላንዳስ ማሪየ ኤሪክ ቱሳኢንት ቅዱስ ኣቦና ከምሰመይዎም ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ጀርመን ናይ ኮሎን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኪን ማይዝነር ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.