2011-01-13 13:40:33

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንሃገረ ሃይቲ


ልክዕ ናይ ሎሚ ሓደ ዓመት ሓይቲ ብርእደ መሬት ሓደጋ ከምእተጠቕዔት ክዝከር እንከሎ፣ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ርእደ መሬት ኣብ ሃይቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዳግመ ሕንጸት ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎም 250 ሺሕ ሕዝቢ ንምዝካር ኣብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርተ ኣኡ ፕሪንስ በቲ ርእደ መሬት ዝዓነወት ካቴድራል ፊት ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ RealAudioMP3 ናይ ቅዱስ ኣቦና ልኡኽ ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ከምዝመርሑ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ንናይ ሃይቲ ዳግመ ሕንጻ ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ደገፍ ወፈራ ብቐረባ ተዓዚቦም ነቲ ሕዝቢ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ደገፍን ቅርበትን መልእኽትን ቡራኬን ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት 12 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ብዘጓነፈ ርእደ መሬት፣ 500 ሽሕ ሕፃናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብዘይ ቤተን ንብረትን ከምዝተረፈን ተመዛቢሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዚያዊ ናይ መዕቆቢ ማእከላት ከምዝርከብን ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ምኽንያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተኸስተ ሕማም ሽሮኽ 3 ሺሕን 8 ሚእትን ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን፣ በዝን ብዝተፈላለዩ ካልኦት ምኽንያት እቲ መደብ ዳግመ ሕንጻ ሓይቲ ይደናጎይ ከምዘሎ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብብፁዕ ካዲናል ሳራሕ ንሕዝቢ ሓይቲ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ሕዝቢ’ታ ሃገር ተስፋ ከይቆርጽን ጸኒዑ ኣብ ዳግማይ ሕንጻ ሃገሩ ክረባረብ ምዒዶምን ፍቕሮምን ቅርበቶም ብምርግጋጽ፣ ወትሩ ሕዝቢ ሃይቲ ብፍላይ ድማ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ሥድራ ቤቶምን ኣብ ጸሎቶም ህልዋት ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ጽንኩር እዋን ካብ እምነት ዝምንጭ ተስፋ ብርታዔና ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢር። ዳግማይ ሕንጻ ንንዋታዊ ቅርጽታት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ፣ ብፍላይ ናይ ሓባር ናብራን፣ ማኅበራውን ሃይማኖታውን ጉዳያት ዝምልከተ እውን ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ሕዝቢ ሃይቲ ናይዚ ኵለ መዳያዊ መርሃ ግብሪ ዳግመ ሕንጻ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ናይ ዝግበር ጻዕርን ናይ ህልውን መጻእን ታሪኽ ሃገረ ሃይቲ ቀዳማይ ተዋሳኢ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብዚ ከይዲ ዳግማይ ሕንጻ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ሓገዝ ከይፍለዮ ሓደራ ቢሎም፣ ናይ ረዳኢተ ኵሉ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ከይፍለዮም ተማሕጺኖም ቅድስቲ እኖና ድንግል ማርያም፣ ንናይ ሕዝቢ ሃይቲ ጸሎት ብዘይ መልሲ ከምዘይተትርፎ እምነቶም ከምዝኾነ ከምዝገለጹ ናይ ቅስቲ መንበር መግለጺ የመልክት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃይቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ናይታ ሃገር ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይ ከተማ ሌስ ካየስ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ጉይረ ፑላርድን ናይ ብፁዕነቶም ተሓባሪ ጳጳስ ንኽኾኑ ድማ ናይታ ብርእደ መሬት ዝዓነወት ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ናይ ዘላ ካቴድራል ቆሞስ ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ቱሳን ከምዝሰመዩ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ሳራሕ ንናይ ዳግመ ሕንጸት ሃይቲ መሳለጢ ብፍላይ ድማ ነተን ዝዓነዋ ኣቢያተ ክርስትያንን ኣባይቲ ትምህርትን ዝውዕል ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘቕረቡን፣ ብፁዕነቶም ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ዑደት ሎሚ ነተን በቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዝተጠቕዓን 15 ኣባላት ደናግለን ብሞት ዝተፈለየኤን ማኅበር ደናግል ማሪያ ፓሪዳኤንስ በጺሖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅርበትን ቡራኬን ብምቕራብ ክዛዝሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ከፕ ሃይቲየን ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ከብረኣው ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክስተት ርእደ መሬት፣ ንናይ ሃይቲ ዳግመ ሕንጻ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ኣብ ፈረንሳን ካናዳን ሳን ዶሚንጎን ኣብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት ዝተኣተዉ መብጽዓታት ቃል ጥርሕ ኮይኑ ይተርፍ ስለ ዘሎ፣ ዝተመዛበለ ሕዝቢ ሕጂ እውን ኣብ ግዚያዊ መዕቆቡ ተንዳታት ፋሕ ቢሉ ክትርእዮ ዘሕዝን ኢዩ። ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኸስተ ርእደ መሬት ቀጺሉ ምዕልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ሁቦብላን ቀጺሉ ድማ ሕማም ሽሮኽን እዚ ከይኣክል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ዝተራእየ ቅልውላው፣ ሕዝቢ ተሓሊዎ ደኺመ ኢዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ዅሉ ሽግር ድማ ኣብ ጎደናታት ሃይቲ ዓመጽ ኣናሰፍሔ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።

ንናይ ሃይቲ ዳግመ ሕንጻ ዝተሓንጸጹ ቅርጽታት መሠረት መንግሥትን ዝተፈላለያ ናይ መንግሥታትን ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ዘካይድኦ ዘተ ብዙሕ ኢዩ፣ ጭቡጥ ውጽኢቱ ግን እዚ ኢዩ ቢልካ ንኽትዛረበሉ ብሓቂ የሸገር፣ እዚ ዅሉ ከሳልጥን ብግቡዕ ከዋፈርን ክከታተልን ዝኽእል ብቑዕን ኣርሒቑ ዝጥመት ንጹር ፖሊቲካዊ ኣመለኻኽታን መደብን ዘለዎ ኃላፍነት ሕዝቢ ዝስምዖ መንግሥቲ የድሊ። ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ኣብ ሃይቲ ፋሕ ኢለን ኣለዋ እንታይ ዝዓይነቱ መደብ ዳግማይ ሕንጸት የሳልጣ ከምዘለዋ ንምፍላጥ ዘጸግም ኢዩ። በተን ናይ ረድኤት ማኅበራት ክምራሕ ተባሂሉ ዝሕሰብ መደብ ዳግመ ሕንጸት ንመሳለጢ ተባሂሉ ዝወሃበን ዝተኣከበ ሃብቲ ገንዘብ ኣብምታይ የውዕለኦ ከምዘለዋ ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሓቅን ጉህድን ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ገና ዘይሓወየ ስቓይን መከራን ቍስሊ ሕዝቢ ሃይቲ ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ብሓቂ ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ሃይቲ ዝተዋፈሩ ግዱሳት ናይ ረድኤት ማኅበራት የለዉን ማለተ ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ንናይ ዳግመ ሕንጸት ሃይቲ ዝፍጸም ሓገዝ ናይ ምእካብ መደብ ክቕጽል ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ሃይቲ ደገፍ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ የድልያ ኢዩ።

ብሓቂ ናይ ሃይቲ ዳግመ ሕንጸት ሕጽጹነቱ ንምንቕቓሕ ዝዓነዋ ቁምስናታትን ኣቢያተ ክርስትያን ዳግም ምሕናጽ የድሊ፣ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ንናይቲ ንዋታዊ ሕንጸት መሠረት እዩ። ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ብዝተፈላለዩ ናይ ደግፍ ጨንፈር ተዋፊረን ኣብ ክንክን ጥዕና ኮነ ኣብ ኣባይቲ ትምህርን ኣብ ዝኣመሰሉ መዳያት ዓቢ ኣገልግሎት የቕርባ ከምዘለዋ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓይቲ ልኡከ መንግሥቲ ካርል ሄንሪ ጉይተኣው ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃይቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ሰዝዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ጸብጻብ ሚዛኑ ከተቕርብ ብሓቂ ዘሸግር ኢዩ። ሕዝቢ ሃይቲ እቲ ዘስዓቦ ኣሰቃቒ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ሕልቂት ዘሰንበዶ እኳ እንተኾነ፣ ዋላ’ኳ ገና ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ይሃሉ፣ እቲ ሽግር ዘኸተሎ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እናሰገረ ናይ ሕይወቱ ትርጉም ንኽርዳእን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምንቕቓሕን ኢዩ ዝርከብ። ናይቲ ሕዝቢ ተስፋ ንምንቕቓሕ ካብ ዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብ ዝቐርብ ዘሎ ረድኤት ኣገዳስን ኣድላይን ኢዩ። እተኾነ ግን እቲ መሠረት ርእሰ ምርኮሳ ዝኾነ ዝደናጎይ ዘሎ መደብ ዳግመ ሕንጸት ትሕቲ ቅርጽታት ብዘይ ምድንጓይ ክሳለጥ ኣለዎ።

ሕዝቢ ሃይቲ ተስፋኡ ኣየምከነን፣ ኣብዚ ጉዳይ ድማ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ድጋፍን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ደገፍ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ተስፋ እቲ ክረጋገጽ ሃረር እትብሎ ዘርእየካ መረጽን ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ተሳልጥ ኣላ ቢሎም፣ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይቲ ልኡከ መንግሥቲ ነቶም ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ሥድራ ቤቶምን ንምዝካር ብሓፈሻኡ ምእንቲ ሃይቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ብዘቕረቦ ሓሳብ መሠረት ትማሊ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታት ዝተሳተፍሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቃዳሴ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ከምዝዓረገ ዘኪሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.