2011-01-11 13:45:30

ኣብ ጀርመንን ኦስትርያን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን


ናይ ጀርመን ናይ ፓደራቦን ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሁበርት በረንብሪከን ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስታያን እቶም ኣብ ግብጺ እስክንድሪያ ብጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝወረደ RealAudioMP3 መጥቃቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎም ናይ ኦራቶዶክስ ቤተ ርክስትያን ምእመናን ምኽንያት ናይ ዘጋጠመ ሓዘን ተኻፋሊት ምዃና ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ኦርቶዶስ ቤተ ክርስትያን ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ወቅዱስ ሼኑዳ ዳግማዊ ኣብ 1973 ዓ.ም. ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ስነ ክርስቶስ መጽናዕቲ ዘሎ ነገረ መልኮታዊ ተመሳሳልነት መሠረት ዝተገብር ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ መንጎ ክልትኤን ቤተ ክርስትያን ዝተበጽሔ ምቅርራብ ዝቀናቐን ጸረ ሰላም ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኦስትርያ ርእሰ ከተማ ቪየና ናይቲ ኣብ እስክንድርያ ጉጅለ ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣደዳ ንዝኾኑ ዝሓሰበ ኣብ ቪየና ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስታያን ጳጳስ ጋብርኤል ተመሪሑ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኦስትሪያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ምእመናን ከምእተሳተፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቪየና ሜትሮጶሊ ሚካኤል ሳይኮስ በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎም ጸልዮም፣ እዚ ሥርዓተ ቅዳሴ ጸረ ምስልምና ሃይማኖት ዝኣመተ ዘይኮነስ ነቶም በጉጅለ ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ኣብ ጸገም ዝርከቡ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና እውን ዝሓስብ ኢዩ ኢሎም፣ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሰላም ሃይማኖት ክነሱ በቶም ኣኽረርቲ ጉጅለ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ነዚ ዝሓሰበ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.