2011-01-11 13:40:03

ኣብ ዓለም ተራ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት ናይ ሰናይ ምንዮትን መልእኽቲ ብሩኽ ሓድሽ ዓመት ንምቕራብ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ናይ መላእ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታት ተቐቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ RealAudioMP3 ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ኣስተንትኖ መግለጺ፣ ምእንቲ እቲ እዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዓለም ብዘይ መሰናኽል ክኽበር ናይ ኵሉ ወሳኒ ተግባር ዝሓትት ምዃኑ ብምግላጽ፣ ኣብ ዝሓለፉ ቀራባ ዓመታት ኣብዚ እዋን እውን እንተኾነ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤት ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላት ዝቐርብ ጻውዒት እውን ከምዝኾነ ኣባ ሎባርዲ ሓቢሮም፣ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጵሳት ሲኖዶስን ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ብሪጣንያ ወግዓውን ሓዋርያውን ብምጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣዳራሽ ተረኺቦም ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕን ግብጽን ዝወረደ መጥቃዕትን ስደትን ኣመልኪቶም ዘቅረብዎ ጻውዒት ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ ካዛኪስታን ርእሰ ከተማ ኣስታና ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ጻውዒት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስያን ምዃኑ ገሊጾም።

በቢ ዓመቱ ኣብ መእተዊ ሓድሽ ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘመሓላልፎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኣብ ዓለም ብመገዲ ፍትሃ ብኄር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ መሠረት ኮን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ኣሉታዊ መርገጽ ዘለዎ ባህሊ ናይ ፖሊቲካ ርእዮትን ዝኽሰት ምግሃስ ናይ ሓይማኖት ነጻነት ክውገድን በንጻሩ እዚ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝኾነ ትእዛዛዊ ውሳኔ ውሑስ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብቲ ናይ ትማሊ ነቶም ኣብ ቫቲካን ናይ መላእ ሃገራት ልኡከነ መግንሥታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዳግም ብምቕራብ ከም ሓሳብ ጥርሕ ዘይኮነ ኣበይን ብኸመይ መገድን ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ምግሃስ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኻኑ ተንቲኖም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም።

እዚ ዓይነት ጻዕዊት ናይ ምቕራብ ተግባር ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ተልእኾን መዝነት እውን ኢዩ። ር.ሊ.ጳ. ንኽኾነ ብመላእ ቤተ ክርስትያን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ምስተሓረዩ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና እግዚኣብሔርን ፍጥረት ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ሓሳብን ተግባርን ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሠረት እነሆ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ሰብን መላእ ማኅበረሰብን ዘለዋ ተልእኾ ተንቀሳቅስ ኣላ። ስለዚህ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘረባኦም እውን ቤተ ክርስትያን እቲ ናይ ወዲ ሰብ ጉዳይ ዋሕስ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ጉዳይ ብምንቅቓሕ እተቕርቦ ኣገልግሎት ዘመልክት ኢዩ ኢሎም።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ግልጽነትን ትብዓትን ዝዓሰሎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዘመልክት ጻውዒት ኢዩ። ስለዚህ ናይ ኵሉ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ብምሕታትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሕባር ዘተ ብምዕዳም ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሰብኣዊ ክብርን ሰላም ክረጋገጽን ሓናጽን ፍሪያማ ናይ ክርስትና ምስክርነት ኣብ ዓለምን ኣብ ህልው ባህሊ ውሑስ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተልእኾኦም ታሪኻዊ መለለዪ ኢዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዝሃብዎ ናይ ኣስተንትኖ መግለጺ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.