2011-01-08 12:43:59

ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ኣብ ቨትናም


ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ዓመተ ኢዮበል ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቪየትናም ኣብ ዝካየድ ዘሎ በዓል ንቕዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወኪሎም ይሳተፉ ከምዘለዉ እንክንገር። ብፁዕነቶም ዓመተ ኢዮበል ኩላዊት ቤተ ክስትያን ኣብ ቨትናም መሠረት ክካይድ ዝቐነየ መፍንፈሳውን RealAudioMP3 ባህላውን ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕታትን ትማሊ ኣብ ሃኖይ ኣብ እትርከብ ካቴድራል ምእንቲ እቶም 117 ናይ ቨይትናም ቅዱሳት ሰማእታታ እምነት ኣብ ዝዘከረ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ መልእኽቲ ቃልን ምዉቕ ሰላምታ ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና ክምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቡሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ማኅበረ ክርስትያን ቨትናም ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዕለታዊ ጸሎት ኅልዋት ምዃኖ ብምርግጋጽ፣ ናይቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ንማኅበረ ክርስትያን ቨትናም ቀረባ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ቨትናም እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘጋጥማ ኵለ መዳያዊ ሽግርን ብድሆታትን ንምግጣምን ንምስናፍን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ቀረባ ከምዝኾነት ሓቢሮም፣ ቨትናማዊ ናይ እምነት ሰማዕት ቅዱስ እንድርያስ ዱንግ ሉክን ሰማዕታት ብፆቱ ቨትናማውያን፣ ናይ እምነት ሰማዕታትን ዘኪሮም፣ ማኅበረ ክርስትያንን ቤተ ክርስትያን ቨትናምን እግዚኣብሔር ንዘረከቦም ኃላፍነት ክቖሙን፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦምን ክርስትያናዊ ጸዋዕታኦም ክምስክሩ ኣተሓሳሲቦም። ጓሶት ነፍሳት ነቲ ንኽርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝተግሔ ናይ እምነት ሰማዕት ቅዱስ እንድርያስን ዱንግ ላክ ኣብነት ክኽተሉን ነፍሳት ክጓስዩን ከጸናንዑን ናብቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ዝኾነ ጎይታ ክመርሑ ይግባእ ቢሎም፣ ብዘይ ፍርሕን ራዕድን ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ንኽርስቶስ ዘሎና ፍቕርን ንቓሉ ዘሎና ተኣማንነትን ክምስከር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እምነትና ሰማዕትነት ዘሕትት እውን እንተኾነ ከም ቅዱስ እንድርያስ ዱንግ ላክን ሰማእታት ብፆቱን ናይ ደም ሰማእትነት ክሳብ ንምኽፋል ድልዋት ክንከውን ንጸሊ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.