2011-01-08 12:42:48

ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያ ኣብ ደገፍ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን


ኣደዳ መጥቃዕቲ እናኾነ ስደትን ዘጓንፋ ዘሎ ምእመን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ትማሊ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ጸሎት ከምዝዕረገት ተገሊጹ።

ዕለት 31 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ከተማ እስክንድሪያ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝወረደ ዘሰቕቕ መጥቃዕቲ አደዳ ንዝኾኑ ኣብ ኵለን RealAudioMP3 ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ከምእተጸለየን፣ ኣብ ኢጣሊያ ፒዮሞንተ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘኽበረቶ በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖስግሊያ ከምእተሳተፉ እንክንገር፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ እውን ቅድሚ ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘብዓለቶ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ኣብ ጀኖቫ ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሎረንዞ ካቴድራል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ማኅበረ ክርስትያን ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ማዕርነት ዘርኢ ሰብ ክረጋገጽ ዝዓዩ ብምዃኖም፣ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ተቓሊዖም ከምዝረክቡ ገሊጾም፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያን ዝወርድ መጥቃዕትን ሓደጋን ክግታእ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ክረጋገጽ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማንስዌቶ ቢያንኪ፣ ኣብ ስቓይን ስደትን ንእትረክብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ናይ መላእ ኢጣሊያ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ደገፍን ምትሕብባርን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣቕሪቦም፣ ኣብ እስክንድርያ ሃገረ ግብጺ ዝወረደ መጥቃዕቲ ንማኅበረ ብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ማኅበረ ክርስትያን እውን ከምዘድመየን ኣቶም ብእምነቶምን ሃይማኖታዊ መለለይኦምን ምኽንያት ሓደጋን መጥቃዕትን ዝወረዶም ማኅበረ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ንመላእ ማኅበረሰብ ዓለም እውን ከምዘቖጠዔን ገሊጾም፣ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ኣብ ኤውሮጳ ዝርኤ ዘሎ ሃይማኖታዊ ሸለልተይናነትን ዘይምግዳስ ማኅበረ ሰብ ኤውሮጳ ኣብ ክርስትያናዊ ባህሉ ምዝሕታል ዘተኣታትው ንዘሎ ጠባይ ሸለል ምባል ምኽንያት እናኾነ፣ ኤውሮጳ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንኽኽበር ከተበርክቶ ዝግብኣ ተራ ንድሕሪት ይጎቶ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ኃላፍነታውን ባህላውን ተራኣ ክነቓቓሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ብፁዕ ኣቡነ ቢያንኪ ገሊጾም፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ፍቓድን መሠረት ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኢዩ ቢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ናይ ሃይማኖትን ነጻነት ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ብፍላይ ኣድማስ ክርስትና ዝመልክት ዘይኮነስ ናይ ፍጥረት ሰብ መንፈሳዊ ዝምባለ ኣድማስ ክኽበር ዝብል ጻውዒት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እንተኾነ ግን ኣብ ዓለም ንስደትን መከራን ኣዚዩ ዝተቓልዔ ማኅበረ ክርስትያን ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ናይ ክርስትና ሃይማኖት ሕይወት ዝደሊ ናይ ሕይወት ኣድማሳዊ ተመኵሮ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ኅልውናኡ ኣብ ኵሉ መዳይ ከረጋግጽ ዝተጸውዔ ምዃኑ እቶም ኣብ ስቃይን መከራን ዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.