2011-01-07 08:39:13

ቅርበትን ምትሕብባርን ንምግላጽ


ኣብ ልዕሊ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምእመናንን ቤተ ክርስትያኖምን ብዝወረደ መጥቃዕትን አደዳ ንዝኾኑን ኣብ ስቓይን መከራን ሓዘንን ንዝርከቡ ቅርበትን ምትሕብባርን ንምግላጽ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን RealAudioMP3 ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ኣብ ዝመርሕዎ ናይ ሰላም ጸሎት ንናይ ምንቅስቃስ ካቶሊክ ተግባር ቤተ ክርስትያናዊ ደገፍ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሲጋሊኒ እውን ከምእተሳተፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ በቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብዝወረደ መጥቃዕቲ 22 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝጋጠሞም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ሓደጋ መቕሰልቲ ከምዘጓነፎም ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ካቶሊክ ተግባር ቤተ ክርስትያናዊ ጉዳይ ሃላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሲጋሊኒ ኣብቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ምእንቲ ዝሳቐዩ ምእመናን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተኻየደ መንፈሳዊ ንግደት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናንን መንፈሳዊ መራሕትን ርክብ ክጸንዕ ከምዝገበረ እውን ኣቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገር ንዝርከቡ ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ክጽለ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ተግባር ምኽትል ሊቀ መንበር ኪያራ ፊኖኬቲ ጻውዒት ብምቕራብ ኣብ መንጎት ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ክጸንዕ ሓደራ ከምዝበላን፣ እቶም ምእንቲ ሰላም ንምቅርራብን ምትሕብባርን ዓሚቱ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ንግደት ተሳተፈፍቲ፣ ኣብ ቤተ ልሄምን ኢየሩሳሌም ናዝሬትን መንፈሳዊ ዕደት ፈጺሞምን ኣብተን ከተማታት ምዝ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ርክብ እውን ከምእተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.