2010-12-28 14:55:29

ዒራቕ፣ ድርባዊ ጸረ ሰብኣዊ መጥቃዕቲ


ትማሊ ንጎሆ ኣብ ዒራቕ ኣብ ራማዲ ከባቢ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ገለ ገለ ናይ መንግሥቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ፣ ብውሑድ 11 ሰባት ናይ ሞት RealAudioMP3 ካልኦት ልዕሊ 45 ዝግመቱ ድማ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ከምዘጓነፎን ካብ ዒራቕ ዝፍነዉ ዜናታት ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ማኅበረሰብ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን፣ ሓንቲ ክርስትያን ኣደ ካብ ባግዳድ ናብ ሞሱል ኣብ ዝወስድ መገዲ ብመኪናኤን እናተጓዕዛ እንከለዎ ብዝወረደን መጥቃዕቲ ንሞት ሓደጋ ከምእተቓልዓን እንክንገር፣ እቲ ናይታ ሃገር ማኅበረ ክርስትያን በዓለ ልደት ብሰላም ከብዕል መንግሥቲ ዒራቕ ዝወሰዶ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ውሳኔ ዝፈጠሮ ምርግጋእ እውን ዘሎ እንተመሰለ ኣብ ብዙሓት ከባቢ’ታ ሃገር ዝርከብ ማኅበረ ክርስትያን በዓለ ልደት ብኅብረት ከብዕል ከምዘይከኣለ ኢዩ ዝንገር።

ኣብ ዒራቕ እቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ናይ ኪርኩክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ናይ መቕተልቲ ውሳኔ ከምዘመሓለለፉ ክንገር እንከሎ ብፁዕነቶም በዚ ናይ ሞት ሥግኣት ከይተሰናበዱ ኣብ ዓዶይ ምስ ሕዝበይ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ ብኢደ ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ዝፍጸም ናይ ሞት መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ዒራቕ ሕይወት ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ጸጥታን ሰላምን ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ ንምርግጋጽ ዘብቅዕ ውሳኔ ሥሉጥነት ከምዝጎድሎን ሰላም እውን ከምዘየለን ብሓፈሻኡ ጸጥታን ደህንነትን የለን። ምእንቲ’ዚ ኣብ ዒራቕ ሕግን ውሳኔን ዘኽብርን ክኽበር ዝጽዕር ጽኑዕ መንግሥቲ የድሊ።

ንማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕ ሰላምን ምርግጋእን ውሑስ ዝገብር ጽኑዕ መንግሥቲ የድሊ፣ እንተዘይኮይኑ ናይ ዒራቕ ናይ መጻኢ ዕድል ደልሃመት ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ ኢሎም። ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዘብጽሕ ማኅበራዊ ዕርቂ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ዘብቅዕ መገዲ ንምስዓብ ድማ ነቲ ናይ ሰላም ንጉሥ ዝኾነን ብፍቕሩ ንሓድ ሕድና ክንፋቐር ዝጽውዓና እግዚኣብሔር ምእዛዝ የድሊ እምበር ሕይወት ሰብ እናጥፋእካ ዝንበር ሃይማኖት የሎን፣ ብስም እግዚኣብሔር ሕይወት ሰብ ምጥፋእ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ኢዩ ኢሎም።

ምንም’ኳ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዘየተኣማምን እውን እንተኾነ ብሓፈሻኡ በዓለ ልደት ብጽቡቕ ከምዝሓለፈ ገሊጾም፣ ኣብተን ማኅበረ ክርስትያ ዝተኣከበለን ቤተ ክርስትያናት ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ከይወርድ ብዙሕ ተፈሪሑ ኔሩ ኢዩ። ብሓልዮት እግዚኣብሔር ድማ ብሰላም ተዛዚሙ። ብዙሓት ምእመናን ምስልምናን ካልኦት ሃይማኖታትን እንቋዕ ንበዓለ ልደት ኣብጻሓኵም ኢዩ ዝበለና፣ እቲ ማኅበራዊ ሰላም ክሕውኽ ዝደሊ ውሑድ ኢዩ።

ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ በዓለ ልደት ብሰላም መታን ከብዕል መንግሥቲ ዝወሰዶ ናይ ጸጥታን ደህንነትን ሓለዋ ውሳኔ ዝምሥገን ኢዩ፣ እተኾነ ግን እቶም ውሑዳት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጽመዎ መጥቃዕቲ ብቐሊል ዝርኤ ኣይኮነን፣ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝረኽበሉ መገዲ ምጽባብን ምጥፋእን የድሊ፣ መን ከምዝሕግዞምን ቀረብ ኣጽዋር ውግእ ካብ መንን ብመንን ምዃኑ ምቁጽጻርን ጥብቂ ክትትል ክብገረሉ ዘድልዮ ሕቶ ኢዩ። ብዝኾነ ይዅን ናይ ኢራቕ ማኅበረ ክርስትያን ናይ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ዒራቕ ኢዩ ቢሎም፣ ምሕረትን ሰላምን ዕርቅን ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.