2010-12-28 14:53:13

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውሳኔ


ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማትን ኣብ ዘይምቕሳን ኩነት ንዝርከቡ መንሰእሰያት ዝግደስ ሓደስቲ ትርኢታት ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ማኅበረሰብ ምቛም ብኵላዊት ቤት ክርስትያን ተፈላጥነቱ ዘረጋግጽ ናይ ዓለማለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይዚ ማኅበረሰብ ሕጊ ንተመኵሮ ግዚያዊ ተቐባልነት ክህልዎ RealAudioMP3 ከምዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውሳኔ ኣመልኪተን ናይቲ ሓደስቲ ትርኢታት ማኅበረሰብ መሥራቲት ኪያራ ኣሚራነተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ በቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ መሠረት ዝተሃበ ውሳኔ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን፣ እዚዩ ከምዘሐጎሰን ገሊጸን፣ እቲ ዜና ምስበጽሓና ይብላ፣ መላእ ኣባላት ማኅበረሰብ ሓደስቲ ትርኢታት ብኣድናቖት ሓጎሶም ብምግላጽ እቲ እዚ ማኅበርሰብ ዝኽተሎ መንፈሳዊ መትከትል ህያብ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘረጋግጽ ውሳኔ ኢዩ ኢለን።

እቲ እግዚኣብሔር ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ እናስተማቐርና ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሽግርን ዘይምቕሳን ኵነት ወዲቖም ንዝርከቡ መንሰያት እቲ ዘፍቅር ፍቕሪ ብምምስካር ካብቲ ጸገሞም ንኽናገፉ መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ምስ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዝቐርብ ኣገልግሎት ምዃኑ ዘረጋግጽ ውሳኔ ከምዝኾነ ኣረዲኤን፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብዘነቓቕሖም ኣሉታዊ ምርጫታት ተማሪኹ ብፍላይ ድማ ብባህሊ ምህላኽ እናተጠቕዔ ሕዙንን ባዶን ጽምዋ ዝተመልኦ ሕይወት ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ካብዚ ሽግር ንኽላቐቕን ነቲ ዘይበርስ ምርጫ ክስዕብ ዝድግፍ ማኅበረሰብ ኢዩ ኢለን።

እዚ ካብ ዝምሥረት 20 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ማኅበረሰብ፣ እግዚብሔር ምሳናን ኣብ መንጎናን ብምህላዉ ዝህበና ሕጎስ፣ ኵሉ መንሰይ ወለዶ ከስተማቕሮን ክነብሮን ዝድግፍ ማኅበረሰብ ምዃኑ ገሊጸን፣ እቲ ዘይበርስ ሓጎስ በቲ ዓለም ብዘቕርበልና ኣሉታዊ መገድታት ዝጭበጥ ከምዘይኮነ ዝምስክርን፣ እዚ ሓቂ’ዚ ብዅሎም መንሰያት ርዱእን ቕቡልን ኮይኑ ነቲ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዝገጥሞም ማራኺ መገዲ ጥፍኣት ኣይፋል እናበሉ ክዓብዩን እግዚኣብሔር ኣብ ዝጸውዖም ምርጫ ሕይወት ክነርቡን ዝድግፍ ክኸውን እንከሎ፣ ሓገዝ ክሓቱ ናይቲ ማኅበረሰብ ማዕጾ ዝኵሕኵሑ ኣብ ጸገም ዝረከብ መንሰያት እውን ተቐቢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቅን ሕይወትን መገድን ምዃኑ ብምምስካር ነቲ ዘይበርስ ሓቀይና ሕይወት ከማዕድውን ወንጌል ክኽተሉን፣ ስቓይን መከራን ብዓብዩ ድማ ሞት ብትንሳኤ ናይ ዝሰዓረ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ተኻፈልቲ ምዃንና እናመስከርና ኵሉ መንሰይ ወለዶ ናይዚ ሓጎስ ተካፋሊ ክኸውን ዘገልግል ማኅበረሰብ ከምዝኾነን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ እዋን በዓለ ልደት ነቲ ናይዚ ማኅበርሰብ መምርሒ ንተመኩሮ ተቐባልነቱ ንምርግጋጽ ዝወሰደቶ ውሳኔ መሠረት ንማኅበረሰብን ንኅብረተሰብን ዘለዋ ዓቢ ሓልዮት ትገልጽ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.