2010-12-28 14:54:23

ማኅበረሰብ ተዘ


ካብ ምእማን ምስ ዝርከብ ሓጎስ ንምርኻብን ንምምስካርን ዝሓቀነ ማኅበረሰብ ተዘ ዘዳለዎ መበል 33 ርክብ መንሰያት ኤውሮጳ ኣብ ሆላንድ ርእሰ ከተማ ሮተርዳም የካይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 እዚ ካብ 1978 ዓ.ም. በቲ ናይቲ ብተዘ ዝጽዋዕ ናይ ውህደት ማኅበረሰብ መሥራቲ ኃው ሮጀር ዝቖመ ኅብረ ሃይማኖት ማኅበረሰብ እነሆ ካብቲ ርሑቕ ዓመት ጀሚሩ ዘካይዶ ጉባኤ ሃይማኖት ይቕጽል ከምዘሎን እዚ መበል 33 ጉባኤ ኣብ ሆላንድ ክካይድ ፈለማ ምዃኑ ይንገር።

በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለዩ መንፍሳዊ ጭርሖታት ተሰንዩ ኣብ ዝካየድ ናይ ጸሎትን ባህላዊ መድረኽን ሃይማኖታዊ ዘተን ኣስተንትኖ ብሓፈሻኡ ጉባኤ ምእመናን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዘራኽብ ኮይኑ ኣብ ዝካይድ መደብ ካብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሓት መንሰያት እውን ከምዝሳተፉ ይፍለጥ፣ ብዛዕባ እዚ ዝካይድ ዘሎ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ማኅበረሰብ ተዘ ሓለቓ ሓው ኣሎይሰ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናብዚ መበል 33 ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተሓላለፍዎ ናይ ምዕዳንን ናይ ሰናይ ከይዲ ጉባኤ ትምኒት መልእኽቶም እግዚኣብሔር ናብቲ ዘይበርስ ምንጪ ሓጎስ ይመርሓና ዝበል ቃል ዘሰፈረሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ምንጪ ሓጎስናን ሰላምናን ውህደትናን ኮታ ኵሉ ሰናይ ዘበለ እግዚኣብሔር ኢዩ። ናይ እምነትና ማእከል ሓጎስ ኢዩ። ሓጎስ ግን ኣብቲ ሓቅን ፍትሕን ሰላም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኢዩ ዝርከብ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን ዘሎ ሓጎስ ብምስትምቓር ካልኦት ነዚ ከስተማቕሩ ሓቁኑ በቢ ዓምቱ ዝካየድ ርክብ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ማኅበረሰብን እቲ ሓጎስ ምንባርን ኣብ እግዚኣብሔር እማኔ ከምዘሎና ምምስካር የድሊ፣ ሕይወትን ቃልን ኢዩ ዝልውጥ ካብ እምነት እቲ እውነተይና ሓጎስ ዝረክብ መንእሰይ ሓጎሱ ኣይሓብእን፣ ንኻልኦት የካፍሎን ናብዚ ሰናይን ሓጎስን ድማ ይዕድም። ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ናይዚ እዋን መንሰይ ተስፋ የብሉን ዝብል ኣሉታዊ ፍርዲ ብተደጋጋሚ ዝወሃቦ እውን እንተኾነ፣ ብሓቂ ንናይ መንእሰይ ሰናይ ምርጫ ዝኾልፍ ዓለም ጎስጓስ ዘካይደሎም ናይ ሓሶት ምርጫታትን ናይ ሓሶት መገድታት ሕይወት ብሩህ መጻኢ ዘየለ እውን እንተምሰለ፣ ኣብቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ዝኾነ ኣብ ክርስቶስ ብዘሎና እምነት ተኣሚንና ብኅብረት ክንጓዓዝን እቲ ካብዚ እምነት እንረኽቦ ሓጎስ ክንምስክር ጸዋዕታ እምነት የገድደና፣ ዝኣምን ብነጻነት መስካሪ ሓጎስ ይኸውን። መንሰይ ወለዶ ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኢዩ፣ ገዛእ ርእሱ ተስፋ እንተዘይብሉ ከመይ ገይሩ ኢዩ ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ምዃኑ ዝፈልጥን ዝነብሮን ቢሎም፣ ካብ ምእማን ዝርከብ ሓጎስ ንምምስካር ካልኦት ምእማን ከስተማቕሩ ትርጉም ኅላዌ ክንርድኡ ዝድግፍ ጉባኤ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.