2010-12-23 16:09:40

ንኢየሱስ ሕፃን ኣብ ጽሩይ ልቢ ንቀበሎ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኣብ ግዜ ልደት ንኢየሱስ ሕፃን ኣብ ጽቡቅ ገዛውቲ ዘይኮነ ብደስታ ኣብ ጽሩይ ልቢ ንቀበሎ’ እንክብሉ ዓሚቊ ናይ ልደት መሰናደዊ ኣስተምህሮ ሂቦም።

ሥርዓተ ላቲን ብእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ድሮ ልደት ስለእንርከብ ቅዱስነቶም ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ትምህርቶም ንምስማዕ ንዝተአከቡ ብአሽሓት ዝቊጸሩ ምእመናን ልደት ኢየሱስ ሕፃን ንኵልና ህድኣትን ታሕጓስን ክህበና ብምምናይ ኣብ ቅንያት ልደት ዝግበር መብራህታት ብምምልካት ‘ከምቲ እዚ ዓይንኻ ዝድጉሕ መብራህትታት ንጐደናታት ዘብርህ እታ ብልደት ኢየሱስ ዝበሀት ንእሽቶ መብራህቲ ናይ ቤተ ልሔም ከኣ ነዚ ናይ ዓለምና ዘይወግሕ ለይቲ ተብርሃልና፣ እዚ ብአምሳል ብርሃን ክርስቶስ ገና ልደት ከይብጽሔ ኣብ ፈቀዶኡ እንርእዮ መብራህቲ ሓቀኛ ክርስትያን ንዝኾነ ናይ ሕልና መርመራ ከካይድ ይዕድም፣ ንግድማዊ ነገራት ክነጸባብቅን ሰሓቢ ክንገብሮን እናጸዓርና ናይ ቤተልሔፍ ሕፃን ኢየሱስ ከይተሰናዶና ከይመጸና፣ ንጠንቀቅ ክብሉ ነፍሲወከፍ ልቡ ብምንጻሕ ንኢየሱስ ክንጽበዮ ኣተሓሳሲቦም።

ንጐደናታትናን ንገዛውትናና ዘንጸባርቁ ክንገብር እንገብሮ ጻዕሪ ናብቲ ክበጽሓና ዝመጽእ ሓቀኛ ጽባቄን ብርሃንን ዝኾነ ክርስቶስ ከብጽሓና ኣለዎ፣ ስለዚኸስ ሕልናና ነንጽሕ ሕይወትና ነመዓራሪ፣ ነዚ ክበጽሓና ዝመጽእ ወዲ ኣምላኽ ዝጻረር ሓሳብ ዘረባ ዝንባሌ ተግባራት ካብ ልብና ነርሕቆ፣ ንናይ ዓልምና ሰላምን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ፍትሕን እናተጋደልና ነቲ ክበጽሓና ዚመጽእ ዘሎ ኢየሱስ ሕፃን ንቀባበሎ’ ቢሎምL።

ነዚ ናይ ትጽቢትን ሃንቀውታን ግዜ’ዚ እንከብራህርሁ፣ ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ግዜ ልደት ኢየሱስ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ከማኡ እውን ማርያምን ዮሴፍን ብምዝካር ነዚ ቢሎም።

‘ትጽቢት መድኃኔ ዓለም ከምቶም ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ግዜ ልደት ክርስቶስ ዝጠቅሶም ሰባት ቦታን ትርጉምን ዝረኽበሉ በቲ 2000 ዓመት ኣብ ቤተ ልሔም ዝተፈጸመ ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ብዓንዲ ርእሱ ህላዌ ደቂ ሰባት ካብዚ ዓሚቊ ምሥጢር ትርጉም ይረክብ፣ ደቂ ሰባት ብባህርዮም ብልቦምን ብአእምሮኦምን ዝለዓለ ሓቂ ዝለዓለ ጽባቄን ዕብየት ኣምላኽን ሃሰስ ምስ በለ ኢዩ፣ ኣብዚ ክነብዕሎ እንሸባሸብ ዘሎና ጐይታ ክረኽብና ዝመጸሉ በዓለ ልደት ጐይታ ዓይኒ ልቦናና ከፊቱ ነቲ ሓቂ ኣጨቢጡ ነዚ ሃንቀውታ ከዕግቦ እዩ፣’ ድሕሪ ምባል ቅዱስ ኤረነዎስ ክርስትያን ነቲ ብሕፃን ወዱ ገቢሩ ንኣኡ ክንመስል ዝጽዋዓና እግዚአብሔር ንክርዳእ ክገብርዎ ዘለዎ ልምምድ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጾም።

‘ንእግዚአብሔር ክንመስል ከምዘሎና የዘኻኽረና፣ ክንመስሎ ከኣ ኣሎና፣ ኣብ ማእከልና ብምምጻእ እግዚአብሔር ሐደ ዕዮ ገዛ ይህበና፣ እዚ ዕዮ ገዛ እዚ ከኣ ንኣኡ ብምምሳል ሓቀኛ ሕይወት ክነብር፣ ኣብ ግጽታ ክርስቶስ ንእግዚአብሔር ኣብ ክንርኢ ክንክእል፣ ብሕያውነቱን በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱን ብኩለንትናና ንክንልወጥ ፍቃደኛታት ክሳብ ንኸውን እቲ ሥጋ ብምልባስ ሕፃን ዝኾነ ቃል ተግባር እግዚአብሔር ንክንግንዘብ የኽእለና፣’ እንክብሉ እቲ ብልማድ እንገብሮ ምልክታት ኩሉ ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ከብጽሓናን ከነቃሕናን ከምዘለዎን ኣፍኣዊ ጥራሕ ዘይኮነ ውሳጣዊ ናይ ኅልንናን ልብን ምጽራይን ምጽብባቅን ከምዘድሊ ኣስተምሂሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.