2010-12-18 15:14:50

ግህሰት ነፃነት ሃይማኖት ኣብ ቻይና


ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ተገሊጹ ከምዝነበረ ካብ ዕለት 7 ታሕሣሥ ክሳብ ዕለት 9 ታሕሣሥ ኣብ ፐኪን ግዱድ ናይ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናን ኣኬባ ከምዝተኻየድን ቅድስት መንበር በዚ ነፃነት ሃይማኖት ዝግህስ ኣገባብ ከምዝጐሃየትን እዚ ኣገባብዚ እዚ ክቋረጽን ብዓሚቊ ሓዘን ተማሕጺና ከምዝነበረትን ንዘተ ከምትተሓባበርን ገሊጻ ከምዝነበረት ኣመልኪትና ነቢርና።

እዚ ኣገባብ እዚ ነቲ መሠረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝኾነ ናፅነት ኅልና ብምጭቋን ኣብ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጣልቃ ምእታው የመልክት፣ ንመንግሥቲ ቻይና ኸኣ ክብሪ ስለዘጒድለሉ ሕማቅ ተግባር ኢዩ፣ እዚ ኣገባብ እዚ ናይ ሓይሊ መግለጺ ዘይኮነስ ናይ ፍርህን ድኻምነትን ምልክት ኢዩ። ፈውሲ ክኸውን ዝኽእል ክንዲ ምፍርራህን ምጭቋንን ተጻዋርነትን ንናፅነት ክፉት ምዃንን ኢዩ፣ እዚ ከኣ መሰል ደቂ ሰባት ንምሕላውን ሲቭላውን ሃይማኖታውን ጽፍሕታት ብዝግባእ ኣሌሊኻ ዘዝግበኦ ክብሪ ክትህብ የኽእለካ። እንክብል እቲ መግለጺ በዚ ቻይና ዝገበረቶ ኣገባብ ዝተሰመዖ ይገልጽ።

ካብዚ ብምቅጻል እቲ መግለጺ ቅድሚ ሕጂ ቅድስት መንበር ነዚ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መብርሂ ብምድጋም፣ ‘ቅድስት መንበር ብዙሕ ግዜ ብቀዳምነት ንጓሶት ከምኡእውን ንኩሎም ምእመናን ናብቲ ዝተገብረ ጉባኤ ከይሳተፉ ብዕሊ ኣፍሊጣ ነቢራ፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ቤተ ክርስትያንን ክንደየናይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም፣ ብፍላይ ጳጳሳት ከምኡ እውን ካህናት እቶም ዝመርሕዎም ካባኦም ዝጽበይዎ ንእምነትን ንሞራልን ዝምልከት መምርሕን ርግጽነትን ካብ ጓሶቶም ክረኽቡ መሰሎም ከምዝኾነ ክፈልጡ ይግባእ፣ ቅድስት መንበር ነቲ ንጳጳሳትን ካህናትን ብሓይሊ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ዝተገብረ ምግዳድ ትዂንኖ። ከመይ መሠረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ስለዝግህስ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንናጽነት ሃይማኖትን ኅልናን ስለዝጻረር ኣትሪራ ትቋወሞ’ እንክትብል ነቲ ተግባር ብምዂናን ንኩሎም ነቶም እምነቶም ብጽንዓት ዝመስከሩ ተተባብዕ ንኩሎም ከኣ ክጽልዩን ሠናይ ተግባር ንስሓ ክገብሩን ምስታ ኩላዊት ቤተክርስትያን ብምልኣት ብምትሕብባር ንክርስቶስ ብፍቅሪ ክስዕቡ ዘለዎም ድላይ ከረጋግጹ ንላቦ’ ብማለት ይምሕጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.