2010-12-16 15:22:59

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ሰላም” ኅያብ እግዚኣብሔር


ናይ ሃይማኖት ነጻነት መገዲ ሰላም ኢዩ ብዝብል ኣርስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመበል 44 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሎሚ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ አፒያ ቱርኮስን ኣብ RealAudioMP3 ዝተረኸብሉ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ተሓቢሩ።

ዕለት 1 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ብወግዒ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ሰላም ቅዱስ ኣቦና፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾነ ምስ ተሓርዩ እታ ናይ ፈለማ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝመሓላለፍዋ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም “ሰላም ኣብ ሓቂ” እተሰመየት ከምዝነበረት እንክዝከር፣ ንሰላም ዘተዓናቕፉ ካብ ሽበራን ሃይማኖታዊ ድርቅና ወይ ድማ ኣኽራርነትን ካብ ውድድር ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ካብቶም ድኽነት ዘስፍሑ ጸረ ሰብኣዊ ውሳኔታት ዝነቅል ሓሶት ከምዝኾነ ብምትንታን፣ ሰላም ብኩራት ዓመጽን ግርጭት ማለት ዘይኮነስ እቲ ሓቅን ፍትሕን ነጻነትን ከምኡ እውን ፍቕሪ ዝነግሠሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተውሃበ ናይ ሰናይን ውሁድን ሥርዓት ምኽባር ዘረጋገጾ ኩነት ኢዩ እንክብሉ እታ ኣብ 2007 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዋ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ድማ ፍጥረት ሰብ ናይ ሰላም ልቢ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዋ ከምዝነበረትን፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ሰብኣውነት ፍጥረት ሰብ ዘናሽውን ዝሰፍሕ ዘሎ ማዕረ ምስቲ ልዕሉ ክብሪ ሰብ ዘይኮነ ኣገላልጻኡን ሰብኣውነቱ ዘዋርድን ዝቕይርን እሞ ኸኣ ዘሕስርን፣ ነቲ እግዚኣብሔር በርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ክብሪ ሰብ ዘመዛብልን ዘናሽውን ካብ ርእዮተ ዓለምን ባህልን ዝነቅል ኣሉታዊ ቅድመ ፍርዲ ጸረ ሰላም ከምዝኾነን እቲ ሓቀይና ሰብኣውነት ልቢ ሰላም ከምዝኾነ ዝኽሕድ ዘበለ ምርጫ ኵሉ ዕንቃፋት ሰላም ምዃኑን ሕይወትን ሃይማኖታዊ ነጻነት ክኽበር ብምትሕስሳብ ናይ ሕይወት ባህልን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናብቲ ካብ እዚኣብሔር ዝወሃብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ምዃኑ ብምርዳእ፣ ባህርይዊ ሕጊ ነቲ ሓቀይና ሰላም ንምርግጋጽ ዘብቕዕ ሰብኣዊ ዘተ መሠረት ኢዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ኣብ 2008 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዋ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ሰብኣዊ ቤተ ሰብ ማኅበርሰብ ሰላም ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም፣ ነቲ ሥድራ ቤት ዘቕውም ቅኑዕ መምርሕን ውሳኔን ዘጋራጭውን፣ ነቲ ናይ ሥድራ ቤት ክቡር ዋጋ ዘሕስር ዘበለ ምርጫ ሰላም ተዓንቃፊት ዝገብር ኵነት ከምዝፈጥር ኣረዲኦም፣ ሥድራ ቤት ቀንዲ ናይ ሰላም ማኅበር ኢያ። ስለምታይ ናይ ሰላምን ስኒትን መባእታዊት ናይ ሕንጸት ቤት ትምህርቲ ስለ ዝኾነት ድማ ኩላትና ደቂ እግዚአብሔር ስለ ዝኾንና ዘርኢ ሰብ እቲ ሰፊሕ ሥድራ ቤት ኢዩ፣ ሥድራ ቤት ካብ ኮነ ድማ መንበር ሰላም ኢዩ። ስለዚህ ሥድራ ቤት ብማህበራውን ብመንግሥትን ክኽበርን ክንክን ክግበረሉን ይግባእ ቢሎም፣ ሓቂ እናዓፈንካን እናጋርድካን መሰልን ፍቓድን ሥድራ ቤት ምግሃስ ዝግበር ከይዲ ናይ ሰላም መሠረት ንሥግኣት ምቅላዕ ማለት ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብ 2009 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ነታ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ድኽነት ብምውጋእ ሰላም ምሕናፅ ብዝብል ኣርእስቲ ኣሰንዮም ሕሰምን መከራን ናይ ዘርኢ ሰብ መሰልን ፍቓድን ንምግሃስን ዓመጽን ግርጭት ዘተባብዕን ናብ ደልሃመት ዝመርሕ ኵነት ከምዘነቓቕሕ ኣረዲኦም፣ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ፍልልይ ብዓንተውኡ ንኽጸብብ እንተድኣ ዘይተጻዒሩ ብሓቂ ሰላም ካብ ዓለም ምውጋድ ማለት ኢዩ። ሰለዚህ እቲ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ዘስፍሕ ምምራትን ውድድርን ናይ ውግእ ኣጽዋር እንተድኣ ደው ዘይበለ እቲ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ ምጽባብ ጠሪሹ ዘይሕሰብ ኢዩ ከምዝበሉን እንክዝከር፣ ኣብ ናይ ለብዘበን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፣ ፍጥረት ክኽበር ብምትሕስሳብ ሓድሽ ኃላፍነት ሥነ ምኅዳር ዘነቓቕሕ ጻውዒት ዘቕርብ ከምዝኾነ ጸጋ ተፈጥሮ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝግበር ውድድር ዘተኣታትዎ ዘርኢ ሰብ ብማዕረ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተጠቃሚ ከይከን ዝእግድ ዓመጽን ግጭትን ከምዘለዓዕል ግሁድ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ዓለምና ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ልምዓት ሜላ ሰብኣዊነት ሰብ ዘማእከል ክኸውን ሓደራ ይብሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.