2010-12-16 15:35:52

ሕይወትና ብሞት ኣየብቅዕን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ናይ ትማሊ ሐፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ መበል 17 ክፍለ ዘመን ቅድስትን ባሕታዊትን ቅ.ቨሮኒካ ጁልያኒ ሕይወትን ተመኵሮን ብምትኳር ሽሕኳ ዝመጽእ 27 ታሕሣሥ መበል 350 ዓመት ልደታ ነኽብር እንተሎና ትምህርታ ግን ንናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ዓቢ መሪሕ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ሕይወት ቅድስቲ ቨሮኒካ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ ገድሊ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ብዝነበራ ብርቱዕ ፍቅሪ ከምዝተዀስኰሰ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። ‘ንክርስቶስ ብውዕውዕን ርሱንን ፍቅሪ ምስ እተፍቅር ነቲ ረስኒ ናይ መለኮታዊ ፍቅሪ ዝኾነ ክፍሊ ኣካላትካ ክስምዖ ክሳብ ዝኽእል ነቲ ናይ መንግሥተ ሰማያት መጋረጃ ገሊህካ ክትርኢ የኽእለካ፣ ቅዱስ ቨሮኒካ ጁልያና ብፍቅሪ ክርስቶስ ስለዝተቃጸለት ነዚ ክትገብር በቂዓ፣ ልቢ ቅ.ቨሮኒካ ኣካለ መጠን ካብ ትበጽሕ ክሳብ ድሕሪ ሓሙሳ ዓመት ብ1727 ናባኡ ዝጽውዓ ኣብ ከተማ ካስተሎ ምስ ክላሪዘ ዝበሃላ ሕቡኣት ደናግል ኮይና ለይትን መዓልትን ብምጽላይ ብዙሕ ሥቅያትን ብተምስጦ ኣብቲ ሕማማት ክርስቶስ ብምስታፍን ኣሕለፈቶ። ኣብቲ ልዕሊ 22 ሺሕ ገጻት ዘለዎ ዕለታዊ መዝገብ ሕይወታ ተጻሒፉ ከምዘሎ መንፈሳውነታ ንክርስቶስ ማእከል ዝገበረ እዩ ነይሩ።

ብክርስቶስ ዝተፈቀርካ ናይ ምዃን ተመኵሮ፣ ንጽሕትን ተኣማኒትን መርዓት ክርስቶስ ምዃን ከምኡ እውን ወትሩ ብውዕውዕ መንፈስን ብጽንዓትን ከተፍቅር ምኽአል ገለ ካብቲ ናይ ቅድስቲ ቨሮኒካ መንፈሳውነት ኢዩ፣ ኣብ ሕይወት ቅድስቲ ቨሮኒካ ኩሉ ብዓይኒ ክርስቶስ ኢዩ ዚፍታሕ፣ እዚ ኸኣ ህድኣትን ሰላምን ርግኣትን የልብሳ ነበረ። ዝኾነ ነገር ብፍቅሪ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን እያ ትገብሮ ዝነበረት፣ ብዝተኻእለ መጠን ሓንቲ ፍጥርቲ ብኹለንትናኣ ከመይ ገቢራ ክተፍቅሮ ከእትኽእል ትጽዕር ነበረት። ነዚ ከኣ ብዓቢ ሓጐስ ትገብሮ ነበርት።

ቅድስቲ ቨሮኒካ ካብ ኩሉ ኣብሊጻ እትጥምቶን ብተግባር ኣባኡ ክትዋሳእን እትደልዮ ዝነበረት ተግባር ድሕነት ክርስቶስ ኢዩ፣ ኢየሱስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ናብ ኣቦኡ ኪውፈ እንከሎ እንክትሓስብ ብዘይመጠን ትምሰጥ ነቢራ፣ ብተመስጦ ከኣ ኣብዚ ምሥጢር እዚ ትሳተፍ ነበረት፣ ወትሩ ትጽልን ትሳቀን ነበረት፣ ነታ ቅድስቲ ድኽነት ትደልያ ነበረት፣ ንርእሳ ገዲፋ ብኩለንትናኣ ንክርስቶስን ከም ክርስቶስን ክትነብር ትህንጠ ነበረት።

ልባ ንቤተ ክርስትያን ብምኽፋት ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ዓለም ብብርቱዕ ሃረርታ እናተቃጸለት ትነብር ነበረት፣ እቲ ዘቃጽል ፍቅሪ ኣምላኽ ናብተን ኣሕዋታ እውን ቊሊሕ ንኽትብል ይሕግዛ ነበረ፣ ነሕዋታ ዓቢ ግምት ብምሃብ ብምርዳእ ብምምሓር ምእንታኣተን ብምጽላይን መሥዋዕቲ ብምቅራብን ፍቅራ ትገልጽ ነበረት፣ ነዚ ጸሎትን መሥዋዕትን ምእንቲ ር.ሊ.ጳ ምእንቲ ኣቡናት ምእንቲ ካህናት ምእንቲ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ምእንቲ ሰብ ንስሓ ቦታ እውን ተወፍዮ ነበረት። ነዚ ተልእኾ እዚ ከም ናይ መንጎኝነት ተልእኾ ገራ ትወስዶ ነበረት፣ መንጎ ደቂ ሰባትን እግዚአብሔርን መንጎ ሓጢኣተኛታትን ዝተሰቅለ ክርስቶስን ኮይና ምእንቲ ኩሉ ክትጽልን ክትሳቀን መረጸት። እንክብሉ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ሕይወታ ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ዘወፈይት ምእንቲ ኩሉ ዝጸለየትን ዝተሳቀየትን ዓባይ ኣብነት ናይ ኩሉ ግዜ ከምዝኾነት እምብርምብር ከኣ ነዛ ሎሚ ዘላ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ከምእትህብ ገሊጾም።

መንፈሳውነት ቅድስቲ ቨሮኒካ ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብን ብዕምቈት ብምስትንታንን እዩ፣ ንአብነት ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ? ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ? ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።’ ንዝብል ቃላት ናታ ብምግባር ኣብ ኩሉ ፍቃድ ኣምላኽ ተቀድም፣ በዚ ኸኣ ሞት ናይ ሕይወት መወዳእታ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ ንኽእል፣ ኣብ ፍቃድ ኣምላኽ ኣትኪልና እንተተጓዒዝና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሰጋግረና መጋበሪ ኢዩ፣ በዚኸስ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ምስ ጎይታ ዘሎና ውህደት ከነሐይል ንኩሉ ኣብ ፍቃዱ ክንገድፎ ምስታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ከኣ ክንወሃሃድ ትዕድመና፣ ንልብና ብፍቅሪ ኣምላኽ ከነውዕን ንሕይወትና ኣንፈት ከነተሕዝን ቃል ኣምላኽ ክንምገብ ከምዝግበኣና ተመልክተልና፣ ናይዛ ቅድስቲ እዚአ ናይ መወዳእታ ቃላት ንኩሉ የጠቃልሎ፣ ‘ነቲ ፍቅሪ ረኺበዮ፣ እቲ ፍቅሪ ንርእሱ ገሊጹለይ’ ትብል፣ ነዙይ የብቅዓና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.