2010-12-14 17:10:35

ሓቀኛ ተስፋ ንሕይወት ይልውጥ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ ኣብዚ ዘመነ ምጽአት ንሓቀኛ ተስፋ ክንቅበል፣ እዚ ሓቀኛ ተስፋ እዚ እቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ኢየሱስ ስለዝኾነ ሓሳብ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንሕይወት ይልውጥ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ሓቀኛ ተስፋ እንኪዛረቡ እዚ ተስፋ ኣብ ምትእማማን እግዚአብሔር ስለዝተመሥረተ ከቶ ኣየታልልን። እዚ ህያብ እዚ ናይቲ ዝቅበሎ ሰብ ሕይወት ዝልውጥ ዓቢ ህያብ ምዃኑን ምንንጩን በዘን ዚስዕባ ቃላት ገሊጾሞ።

‘ብመሠረቱ እዚ ተስፋ እዚ ንእግዚአብሔር ብፍላጥ ይቈውም፣ ናይቲ ሕያዋይን መሓርን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ ልቢ ኣብ ምርካብ ይምሥረት፣ ኢየሱስ በቲ መድኃኒ ዝኾነ ሞቱን ትንሣኤኡን ገቢሩ ነቲ ነዚ ገጽታ እዚ ገሊጹልና፣ እዚ ገጽታ እዙይ በቲ ብዓቢይ ፍቅሩ ኣቢሉ ናባና ዝተመሓላለፈ ሞት እኳ ከሸንፎ ዘይክእል ዘይጠልም ተስፋ ገጽታ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሕይወት ናይቲ በዚ ኣቦ እዚ ዚእመን ብመንገዲ ዘለዓለማዊ ብፅዕና ስለዝግለጽ’ እንክብሉ ብዕለት 2 ታሕሣሥ 2007 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዚዝከር ኢዩ።

እዚ ኮይኑ እንከብቅዕ ግን ኣብ ሕይወትና ወላውን ናይቶም ካባኡ ርሒቆም ዝርከቡ ተስፋ እግዚአብሔር ወትሩ ከም ቅድመ ኩነት ምስ ቀረበና ኢዩ።

ቅዱስነቶም ብዕለት 1 ታሕሣሥ 2007 ኣብ ዝሰበኽዎ ብዛዕቢ እዚ እንከብርሁ፣ ‘ሽሕኳ ወዲ ሰብ ንርእሱ ግዜ እንተዘይብሉ ኣግዚአብሔር ግን ካልእ ግዜን ሓዲስ ቦታን ብምሃብ ናብ ገዛእ ርእሱ ክምለስ እንደገና ሓዲስ ጉዕዞ ንኽጅምር ናይ ተስፋ ትርጉም ንኽርዳእ ዕድል ይህቦ፣ እወ እግዚአብሔር የፍቅረና ኢዩ ነዚ ከኣ ኢዩ ናባኡ ክንምለስ ብትዕግሥቲ ዝጽበየና፣ በዚ ኸኣ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ልብና ክንከፍት ናብቲ ብምሕረት ናባና ተዘርጊሓ ዘላ ኢዱ ኢድና ኣንቢርና ደቁ ምዃና ንክንዝክር ኢዩ ‘ ቢሎም ነቢሮም።

እቲ ዘገርም ከኣ ነዚ ዓለምና ንቅድሚት ከምዝግሥግሥ ዝገብሮ እግዚአብሔር ገና ኣብ ደቂ ሰባት ዘሎዎ እምነትን ትጽቢትን ኢዩ፣ ነዚ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘለዎ ምትእምማን ኣብዚ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ስብከት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

‘እዚ ምትእምማን እዚ ኣብ ልቢ ሕፃናትን ትሑታትን የንፀባርቅ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ዕለት ዕለት ጸገማት እንከጓንፎምን ጉዕዞ ሕይወት እንክኸብዶምን ብዝተኻእሎም መጠን ነታ ዓቅሞም እተፍቅዳ ንእሽቶ ነገር ክገብሩ ይቃለሱ፣ እዚ ንዓኣም ንእሽቶ ዝኾነ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢይ ኢዩ፣ እቲ ነዚኦም ትሑታትን ገርህታትን ብእግዚአብሔር ዝእመኑን ቅሩብ ኮይኑ ዝረኣዮም ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚአብሔር ብዙሕ ኢዩ፣ እዚ ንኡስ ዓቢ ወይ ውሑድ ብዙሕ ቢልና ዝገልጽናዮ ሠናይ ተግባራት ኣብ ቤተ ሰብ ኣብ ዓውዲ ሥራሕ ኣብ ቤት ትምሀርቲ ከማኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድን ጽፍሕን ሥራሕ ዕለት ዕለት ዝግለጹ ነገራት ኢዮም። ኣቦና እግዚአብሔር ሕይወት ስለዝኾነን ንዘለዓለማዊትን ብፅዕትን ሕይወት ስለዝተፈጠርናን ኣብ ልቢ ሰብ ተስፋ ብዘይሃስስን ዘይድምሰስን መንገዲ ተጻሒፋ ትርከብ፣ ቢሎም ነሮም።

በዚኸስ ናይ እግዚአብሔር ውህበት ዝኾነት ተስፋ ነቲ ብሓላፊ ነገራት ተኸቢቡ ንዝርከብ ኣተሓሳስብና ብምስፋሕ እግዚአብሔር ቀረባና ምዃኑ ብምትእምማን ናብቲ ኩሉ ንብዓት ዝሕንሰሰሉን ዘይበርስን ዘይሓልፍን ከም እነተኩር ትገብረና። ካብዚ ምትእምማንን ተስፋን እዚ ሓቀኛ ታሕጓስ ይምንጩ፣ እዚ ታሕጓስ እዚ ንርእስኻ ጥራይ ሓዚእካ ዝተሓዝ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ንኻልኦት ዝውፈ ኢዩ።

ነዙይ ዘብርህ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለት 16 ታሕሣሥ 2007 ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ ዝበልዎ ክንዝክር፣ ‘ታሕጓስ ኣብ ልቢ እቶም ንናኣሽቱን ድኻታትን ከገልግል ዝውፈ ልቢ ይአቱ፣ በዚ አገልግሎት እዚ ናብ ዘፍቅር ልቢ እግዚአብሔር መሕደሪኡ ይገብሮ፣ ነፍሲ ከኣ ብሓጐስ ትምላእ፣ በንጻሩ ግን ዕላማኻ ታሕጓስ ገርካ ምስ እትጓዝ ግን መንገዲ ትጋገ፣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጾ ታሕጓስ ክትረክብ ከኣ ብሓቂ ኣጸጋሚ ይኸውን’ ቢሎም ነሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.