2010-12-09 08:58:10

ጸጋ ካብ ኃጢኣት ይዓቢ ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ካብ ክፍኣት ይኅይል


ትማሊ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ ፅንሰታ ለማርያም ዘኪራ ውዒላ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ነዙይ ምኽንያት ብምግባር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበርዎ ናይ መልአከ እግዚአብሔር ኣስተምህሮ ‘ተሓጐሲ ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ’ ኣብ ዝብል ሰላምታ ገብርኤል መልአኽ ብምምርኳስ መንነት ማርያም ድሕሪ ምግላጽ እዚ ጸጋ እዚ ካብ ኃጢኣት ከምዝዓቢ ከማኡውን ምሕረት ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ክፍኣት ደቂ ሰባት ከምዝኅይል ኣስተምሂሮም።

ትርጉም ናይ በዓለ ፅንሰታ ለማርያም እንክገልጹ ‘ማርያም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ተፀኒሳ እንክብል ነቲ መልእኽ ጸጋ ዝመልአኪ ቢሉ ዝገለጸልና ወትሩ ብፍቅሪ ኣምላኽ ዝተኸበት ድንግል ማርያም ኢና እንዝክር፣ በዚ ኸኣ ከምቲ ወዲ ኣምላኽ ብምሥጢረ ሥጋዌ ከማና ሰብ ዝኾነ ከም ሳዕበን ናቱ ከኣ ጐይታ ንእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኃጢኣት ኣቦና ኣዳም ዓቂብዋ፣ እዚ ምሥጢር እዚ ምንጪ ብርሃን ልቢ ምንጪ ተስፋን ምጽንናዕን ኢዩ፣ ቢሎም።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስ ኣቦና ሳዕቤን ናይ ኣቦና ኣዳም ኃጢኣት ዝኾነ ፈተናን ተቃውሞን ከጋጥመና እንከሎ ብኸመይ ክንገጥሞ ከምእንኽል እንከብርሁ፣ ኣብ ማእከል ፈተና ሕይወት ብኅልፊ ከኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱ ተገራጫዊ ዝኾነ ነገራት ከጋጥሞ እንከሎ ኣደ ክርስቶስ ዝኾነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸጋ ካብ ኃጢኣት ይዓቢ ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ካብ ክፍኣት ይኅይል ነቲ ክፍኣት ከኣ ናብ ጽቡቅ ነገር ከመይ ገቢሩ ከምዝልውጦ ይፈልጥ ትብለና፣ ኮይኑ ግን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ግዳይ ናይዚ ክፍኣትን ተንኮልን ብምዃን ብዙሕ ንጽገም፣ ሡር ናይ’ዚ ከኣ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ምዃኑ ንግንዘብ፣ እዚ ልቢ እዚ ዝቆሰለን ዝሓመመን ኮይኑ ባዕሉ ክሓዊ ኣይክእልን። ኮይኑ ግን ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና ሽሕ’ኳ ኣብ ሡር ነፍሲ ወከፍ ክፍኣት ንፍቃድ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ከማኡ እውን ወዲ ሰብ ብነፃ ድላዩ ንፈተና ናይቲ ኣቦ ክፍኣት ዝኾነ ምኽሪ ብምቅባሉ ሞት ኣብ ዓለም እንተገዝኤ፣ ነቲ እግዚአብሔር ንድሕነትና ዝመደቦ፣ ነዊሕን ዓቃልን ጉዕዞ ዕርቂ ብደም እቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ እሞ ንርእሱ በጃና ዝሠውዔ ወዱ ገቢሩ ዝሓተሞ ብሓዲስን ዘለዓለማውን ኪዳን ዘሰናደዎ መደብ ፍቅርን ሕይወትን ኣይልውጦን ኢዩ። እታ ነዚ መድኃኒ ዝወለደት ሰበይቲ እኖና ድንግል ማርያም በቲ መድኃኒ ዝኾነ ሞት ወዳ ዝተረኽበ ጸጋን ትሩፋትን ኣቀዲማ ክትካፈል ፍቃድ ኣምላኽ ስለዝኾነ ካብ እትፅነስ ጀሚሩ ኃጢኣት ኣቦና ኣዳም ከይነኽኣ ሐሊውዋ፣ በዚ ኸኣ በቲ ንፁሕ ልባ ገቢራ ናብ ኢየሱስ ተማዕቈቡ ንሱ ከድሕነኩም ኢዩ ትብለና፣ ንቤተ ክርስትያንን ንዓለምናን ብህጹጽ ንዘድልዩ ነገራት ንሳ ክትሓልየልየልና ናብአ ኣማዕቁቦ ኣሎኹ፣ ልዕሊ ኩሉ ኣብ እግዚአብሔር እምነት ክህልወና ንሳ ትሓግዘና፣ ከማኡ እውን ብቃሉ ኣሚና ንክፍኣት ክንነጽግ ንሠናይ ከኣ ክንመርጽ ንሳ ትርድኣና’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

በዓለ ፅንሰታ ለማርያም ኣብ ኩሉ ታቦታት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከቦ ብዓቢ ክብሪ እንክበዓለ ፍልይ ብዝበለ ከኣ ኣብ ማእከል ሮማ ኣብ ዝርከብ ንዝኽሪ ዓንቀፀ ሃይማኖት ንፁሕ ፅንሰተ ማርያም ብ1857 ዓምፈ ብፁዕ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ 9ይ ዝባረኽዎ ዓቢይ ሓውልቲ እኖና ድንግል ማርያም በዚ ዕለትዚ እዚ ኩሎም ተቀማጦ ሮማ ከማኡ እውን ካብ ኩሉ ከባቢ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ፕያሳ እስፓኛ ዝበሃል ቅርዓት ጸሎትን ንባባት ቅዱስ መጽሓፍን ሊጣንያ እኖና እግዚእትነ ማርያምን ይድገም። ድሕሪ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ቃለ ማዕዳ ኣስሚዖም ጻዕዳ ጽገረዳ ባሪኾም ኣብ እግሪ እቲ ሓውልቲ የንብሩ። በዚ ልማድ እዚ መሠረት ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅርዓት እስጳኛ ምስ ምእመናን ድሕሪ ምጽላይ ንኩሎም ሰላምታ ኣቅሪቦም። ኣብቲ ዝሃብዎ ቃለ ማዕዳ ሕዝቢ ሮማ ናብ እኖና እግዚእትነ ማርያም ዘለዎ ፍቅርን ክብርን ንምግላጽ ኣብቲ ቅርዓት ከምዝተኣከበ ንሶም እውን ጳጳስ ሮማ ብምዃኖም ምስ ምእመናኖም ሓቢሮም ናብ እግሪ ሓውልቲ ማርያም ከምዝመጹ ገሊጾም፣ ጽን ቢለ ማርያም እትብለና ክሰምዕ መጺኤ፣ ሎሚ ማርያም ንዓይን ንዓኹምን እንታይ ትብለና ኣላ፤ ጽን ንበል ድሕሪ ምባል ማርያም እንትርፊ በቲ ኣብ ማኅፀና ተቀቢላ ሥጋ ዘልበሰቶ ቃል እግዚአብሔር ካልእ ትዛረበና ነገር የብላን፣ መልእኽታ ኢየሱስ ኢዩ፣ ንኢየሱስ ትህበና ኣላ ንቀበላ፣ ኣብዚ መምጽኢና ሽሕኳ ክነመስግንን ክንልምንን እንተኾና ካብቲ ንሕና ነወፍዮ ጸሎትን ዕንባባን ኣኽብሮን ካባኣ ንቅበሎ ይበዝሕ። ንነፍሲ ወከፍናን ንሕዝቢ ምሉእ ዓለምን ንኢየሱስ ትህብ ኣላ። ንቀበሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ንክንከፍት ትዕድመና፣ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ልብና ብምኽፋት ናይ መወዳእታ ዕላማና ብምጥማት ከምኣ ብኩለንትናና ንፁሓን ክንከውን ትዕድመና ኣላ፣ ኦ ብዘይ ኣዳም ኃጢኣት ዝተፀነስኪ ድንግል ማርያም ለምንልና’ እንክብሉ ንኹሉ ናብኣ ብምምዕቋብ ጸሎቶምን ኣስተምህሮኦምን ድሕሪ ምዝዛም ከምቲ ወትሩ ዝግበር ናብቲ ሓውልቲ ማርያም ዝኸውን ጥማር ዕምባባ ጻዕዳ ጽገረዳ ባሪኾም ብሕታዊ ጸሎት ኣብጺሖም ንመንበሮም ተመልሱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.