2010-12-07 15:44:39

ነቲ ሓቀኛን ዝበለጸን ዓለም እናተጸበና ዝሓሸ ዓለም ንሕነጽ


 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ‘ኣብዚ ዘመን ምጽኣት ነቲ ምጽኣት ጎይታ ጥራይ ከዕግቦ ዝኽእል ዓሚቍ ሃረርታና እነርውየሉ ኣብ እንነብሮ ዕለታዊ ሕይወትና ብሓዲሽ መንፈስ እነተመራሕና ኢዩ፣’ እንክብሉ ንኩሎም ምእመናን ሐድራ ቢሎም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርገሐትን ንብዙሓት ዘዘራረበትን ቃለ መሕትት ቅዱስነቶም ዝትሕዝቶኣ ‘ብርሃን ዓለም፣ ር.ሊ.ጳጳሳት ቤተ ክርስትያንን ምልክታት ግዜን’ ብዝብል ኣርእስቲ ብፒተር ሲቫልድ ኣብ ዝተደርሰት መጽሓፍ ቅዱስነቶም ምእመናን ‘ነቲ ሓቀኛን ዝበለጸን ዓለም እናተጸበና ዝሓሸ ዓለም ንሕነጽ’ እንክብሉ ኣብዚ ግዝያዊ ናይ ትጽቢት ሕይወት እንከሎና ነቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት እናኣማዕዶና ንጹር ዕላማ ክህልወና ኣዘኻኺሮም። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከም ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዚረአ ካብቲ ቀንዲ ዕላማና ከሰናኽሉና ዚኽእሉ ብዙሓት ዘደናግሩ ነገራት ምህላዎም ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ብዙሕ ገረብ ኮንካ ነቲ ጫካ ብምሉኡ ክትርእዮ ከምዘይከኣል ብዙሕ ነገራት ክንፈልጥ ብምድላይ ብዙሕ ነጽንዕ ግን ነቲ ሓቀኛ ጥበብ ኣይረኸብናዮን፣ ነቲ ቀንዲ ነገር ክንርእዮን ክንጭብጦን ኣይከኣልናን። ሎሚ ከም ሎሚ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትዛረብ እንከሎኻ ብናይ ዕለታዊ መንባብሮ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ስለእትጭነቅ እዚ ነገራት እዚ ሓኒቁ ስለዝሕዘና ናብቲ ቀንድን ሓቀኛን ዘለዓለማዊ ሕይወት ክነተኵር ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ብግዝያዊ ነገራት ከቢቡ ዘጨንቀና ዘሎ መንደቅ ኣፍሪስካ ናብቲ ሓቀኛን ናይ መጨርሻን ነገራት ምትኳር የድሊ፣ እዚ ጽንኩር ኢዩ፣ ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ጸባ ጥራይ ዘይኮነ ዕጹም መግቢ ክንሓይኽ ክንክእል ኣሎና፣ ንሕጂ ዝኸውን ዝጭበጥ ነገር ንደሊ፣ ኣብ ሎሚ ጥራይ ጠጠው እንተቢልና ግን ነቲ ጽባሕ ዚመጽእ ሕይወት ይኹን ፍርዲ ክንርእዮ ኣይንኽእልን። ኢየሱስ ክምለስ ኢየ ቢሉና ኢዩ ንሰማይ ዝዓረገ፣ እዚ ምምላስ እዚ ግን ሓቀኛ ፍርዲ ሓዚሉ ኢዩ ዚመጽእ፣ ስለዚ ምስንዳው የድሊ፣ ጸዋዕትና ፈቲና ጸሊእና ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ እዚ ፍርዲ እዚ ደው ምባል ኢዩ፣ ስለዚ ናብዚ ፍርዲ እዚ ገጽና ክንጐዓዝ ከሎና ምሕረቱ ኢና ክንቅነት ዘሎና፣ ንኩሉ ሕይወትና በዚ ክንሰርዖ የድሊ፣ ጐይታ ንዓ እናበልና ብሃንቀውታ እንጽበዮኸስ ብምሕረቱ ንኽመጸና ኢዩ፣ በዚ ምሩጽ ግዜዚ እዚ እጃም ቤተ ክርስትያን ንወዲ ሰብ ካብቲ ንዓለም ክሳብ ምዕናው ኣገምጊሙ ዘሎ ፍቅሪ ገዛእ ርእሱ ንክተድኅን ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ንደቂ ሰባት ናይ ሞራል ወይ ግብረ ገብነት ዝርዝር ተግባራት ኣይኮነትን እተቅርብ፣ በቲ እትህቦ መኣዝንካ እተመዛዝነሉ ትእዛዛት ገራ ናብቲ ቀንዲ መድኃኒ ንምብጻሕ ዘርኢ እምነት እያ እትዘርእ፣ በዚ ኸኣ ነቲ ኩሎም ዝጽበይዎ ክርስቶስ ብፍቅሪ ትዕድል፣ ብነጻ ዝተቀበለቶ ብናጻ ክትዕድል ስለዝተላእከት ነዙይ ትገብር፣ ነቶም ነዙይ ክገብሩ ብምሉእ ድላዮም ሕይወቶም ዘውፈዩ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ከኣ ነመስግን’ እንክብሉ እዚ ትጽቢት እዚ ወትሩ ምሳና ከምዝኾነን ክሳብ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ዳግም ምጽኣት ጐይታ ተሰናዲና ጉዳይና ቢልና ዕለት ዕለት ክንምራሓሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊጾም ነቢሮም፣ ስለዚ እቲ መልእኽቲ ኣብዚ ምሩጽ ግዜ እዚ ነቲ ሓቀኛን ዝበለጸን ዓለም እናተጸበና ዝሓሸ ዓለም ንሕነጽ ዝብል ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.