2010-12-03 14:57:00

ፓኪስታን፣ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዘቕጽዕ ሕጊ


ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ዝሽመን ወርሒ ሰነ 2009 ዓ.ም. ንነብይ መሓመድ ዘጥቅዕ ጸያፍ ቃል ተዛሪባ ዝብል ክሲ ብናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ንሞት ፍርዲ ዘብቅዕ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዝብል ዓንቀጽ 295 መሠረት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒለን ናይ ሞት ፍርዲ ክቕበላ ከምእተወሰነን እንክዝከር፣ ኣብ ፓኪስታን ቑርዓንን ስመ መሓመድ ነቢይ ምርካስ ንሞት ዘብቕዕ ገበን ኮይኑ ዝሕሰብ ከምዝኾነን፣ እዚ ሕጊ’ዚ ካብ ዝጸድቕ ንነጀው ኣብ ኣጠቓቕማኡ ኮነ ኣብ ትግባሬኡ ሸፈጥ ከምዝርኤን ብዘይግብእ ምጥቃም እናሰፍሔ ንብዙሓት ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕይወት ንሓደጋ ብቐሊሉ የቃልዕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሓበሬታ ከዘረጋገጾ ዝፍለጥ ኢዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ እሲያ ቢቢ ዝተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ ውድቂ ክኸውንን መንግሥቲ ፓኪስታን ናጻ ክብለንን እቲ ኣብታ ሃገር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዘጠቓልሎ ስም እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ዓንቀጽ ክሕከኽ ንምትብባዕ ዝኣመተ ተልእኾ መሠረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ካብ ዕለት 25 ሕዳር ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታን ዝፈጸመዎ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ናብ ቫቲካን ከምእተመልሱ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ምስ ናይ ፓኪስታን መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካዲናል ቱራን ኣብ ኢስላማባድ ምስ ርእሰ ብሔር አሊ ዛርዳሪን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ምስ ናይ ፓኪስታን ካቶሊክ ማኅበረሰብ ከምእተራኸቡን ኣብታ ናይ ፓኪስታን ናይ ሥነ ባህሊ ከተማ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ ላሆር ልዕሊ 2,500 ምእመናን ዝተሳተፍሉን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ መንፈሳዊ መራሕቲ ዘእንገደ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ጠቒሶም፣ ኣብታ ከተማ ብካህናት ዶመኒካውያን ዝተመሥረተ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናብ ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ናይ ሥነ ዘተ ባህሊ ተቛም መሪቖም ከምዝኸፈቱን ናይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ ቀንዲ ዕላማ እተን ንሞት ዝተፈርዳ ካቶሊክ ምእመን ኣሲያ ቢቢ ናጻ ክበሃላን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 17 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ጻውዒት ብወግዒ ንመንግሥቲ ፓኪስታን ንምብጻሕ ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ ብኻልእ መዳይ ንፓኪስታን ክርስትያን ማኅበረሰብ ንምትብባዕን ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ጎድኖም ከምዘላ ንምርግጋጽ እውን ኢዩ ኢሎም።

ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር ዛርዳሪ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ንእተቕርቦ ጻውዒት ዓቢ ግምት ጥራሕ ዝህብሉ ዘይኮነስ ዝኣምንሉን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምዃኑ ከምዝገለጽሎም ብፁዕነቶም ኣመልኪቶም፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርኤ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ ንምእላይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናብ ዘተ ዝዕድም ድላይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ከምዝእምንሉ ብቐረባ ከረጋግጹ ከምዝኽኣሉ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ብደረጃ ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣሸጋሪ እውን እንተኾነ ብሰዓብትን ኣመንትን ደረጃ እውን ክካይድ ከምዘለዎ ዘነጸረ ርክብ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር እቲ ስም እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ኣብ ናይ ሃገሮም ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዘሎ ዓንቀጽ ክመሓየሽን ዳግም ክራኤ ብዘቕርብዎ ጻውዒት ምኽንያት ንዝተፈላለየ ኣስጋኢ ነቐፌታ ይቃልዑ ከምዘለዉ ብፁዑነቶም ኣመልኪቶም፣ እቲ ሕጊ ንምሕካኽ፣ እንተዘይተኻኢሉ ምስ ኩነታት ሕዝቢ ዝላዘብ ንምግባር ዝድግፍ ሕዳሴ የድልዮ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.