2010-12-03 14:55:01

ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ምርምር ተቛም


ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 19 ግንቦት 2009 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ምርምር ተቛም ዝጠለቦ መግባዊ ውሕስነት ንምርግጋጽ ብዝብዕል ዕላማ ብሥነ ምርምር ህንደሳ መበቆል ዋንነት ምዕባለ ተደጊፉ ዝፍጸም ናይ ሕርሻ ልምዓት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝተየ ዓወደ መጽናዕቲ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ መርገጺ ወይ ድማ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝውክል ከምዘይኮነ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብምምልካት፣ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ብሥነ ምርምር ህንደሳ መበቆል ዋንነት ምዕባለ ተደጊፉ ዝፍጸም ናይ ሕርሻ ልምዓት ዝድግፍ ወይ ድማ ዋንነት መበቆል ሥነ ውርሻ ምልዋጥ ንዝብል ናይ ሥነ ምርምር ከይዲ እወታዊ ኣረኣእያ ኣለዋ ተባሂሉ ንዝወሃቡ ዘለዉ መግለጽታት ጌጋ ኣመለኻኽታ ኢዩ እንክብሉ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ምርምር ተቛም 7 ኣባላቱን ካልኦት ምሁራትን ናይ ሥነ ምርምር ሊቃውንቲ ብጠቅላላ 40 ሊቃውንቲ ብምስታፍ ናይ ዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ዘውጽኦ ሰነድ ኩሎም ተጋባእያን ሊቃውንቲ ክታን ዘንበርሉ ብቤት ማኅተም ኤልሰርቪየር ንንባብ ዝበቕዓ ምዃኑ ጠቒሶም፣ እቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ናይቶም ሊቃውንቲ ልዑል ሥነ ምርምራዊ ብቕዓትን ብስለትን ዘነጽርን ልዑል ሥነ ምርምራዊ ፍልጠቶም ዘደንቕ እኳ እንተኾነ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ምርምር ተቛም ቃለ መግለጺ ከምዘይኮነ እንከረድኡ ብጠቕላላ ነቶም ናይዚ ጳጳሳዊ ተቛም 80 ኣባላት ዘማኸረ ኣይኮነን እንክብሉ ኣብቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.