2010-12-03 14:59:13

ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ


ሎሚ ዕለት 2 ታሕሳስ 1960 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23ን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ላዕለዋይ መራሕን ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳስ ጎፍረይ ፍራንሲስ ፊሸር ዝተኻየደ ርክብ መበል 50 ዓመት ዝተዘከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ንኽረጋገጽ ሓቂኑ ኣብ መንጎ ኵላዊት ቤተ ርክስትያንን ኣንግሊካን ቤተ ክርስትያን ዝተጀመረ ርክብ ዝሕብር ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘካየድዎ መበል 17 ሓለም ሓቆፍ ወግዓውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅድስነቶም ምስ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ላዕለዋይ መራሒ ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ከምዝዘከርዎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብ 1960 ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ጎፍረይ ፍራንሲስ ፊሸር ቀጺሉ ድማ ምስቲ ናይ ሓባር ናይ ዘተ ድርገት ዘቖመ ኣብ መንጎ 1966 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ሚካኤል ራምሰይ ዝተኻየደ ርክብን ስዒቡ ዕለት 28 ሚያዝያ 1977 ዓ.ም. ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዶናልድ ኮጋን ዝዝተኻደ ርክብ ናይቶም ቀጺሎም ዝሰዓቡ ርክባት እምነ መሠረት ምኻኑ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.