2010-12-03 14:57:56

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቱርክን


ናይ ቅድስቲ መንበርን ቱርክን ውግዓዊ ርክብ ዝተበገሰሉ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ዘዳለዎ ክልተ ዓለማት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሮማ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ሃይማኖታት ዓለማውያን ምእመናን ወከልትን ምሁራትን ሊቃውንትን ናይ ቱርክን ቅድስት መንበርን ርክባት ጉዳይ ኣባላትን ናይዚ ርክብ ፈላጣት ናይ ሥነ ቫቲካንን ሥነ ቱርክን ሊቃውንትን ዘሳተፈ ከምዝነበረ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበርን ቱሩክን ርክብ ብምትኳር ኣብ መንጎ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ዝነበረን ዘሎን ርክባት ብምዝታይ ንመጻኢ እቲ ርክብ ክኽተሎ ዝግበኦ መገዲ ዝሓበረ ዓውደ መጽናዕቲ እውን ከምዝነበረ ብዛዕባ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር መሥራትን ኣብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ናይ ታሪኽ መምህር ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሶር ኣንድረያ ሪካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ርክብ ቱርክን ቅድስቲ መንበርን ርክብ ምዕራብን ምሥራቕን ዝምልከት ከምዝኾነን ኤውሮጳን ቱርክን ክልተ ዝተነጸላ ዓለማት ዘይኮናስ ሓደኣዊ መበቆል ዘለዎን ምዃንን ዘመልክት ኢዩ ኢሎም።

እዚ ርክብ’ዚ ንኤውሮጳን ቱርክን ዘራኽብ ድልድል እውን ኢዩ፣ ኣብዚ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ቱርኪ ኣብ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ፖለቲካን ዘተ ቀንደይና ተዋሳኢት ኢያ፣ ስለዚህ ዝኾነ ይዅን ርክብ ካብ ሥነ ባህሊ ክብገስ ከምዘለዎ ዘነጸረ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ እንክብሉ ኣብ ቅድስቲ መንበር መበል 16 ናይ ቱርኪ ልኡከ መንግሥቲ ኬናን ጉርሶይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ጠቒሶም፣ ካብ ናይ ፖለቲካን ናይ ወጻኢ ሥነ ርክባት መድረኽ ዝነቐሉ ልኡኽ ዘይኮኑስ ካብ ናይ ሥነ ባህሊ መድረኽ ብመንግሥቶም ነዚ ተልእኾ ዝተመዙ ከምዝኾኑ እንክፍለጥ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ፍልስፍና መምህር እውን ኢዮም፣ ኣብ ቱርኪ ምስልምና ሃይማኖት ናይ ብዙሃን ሃይማኖት እውን እንተኾነ ንኻልእ ሃይማኖትን ባህልን ዕጹው ዘይኮነ ባህሊ ከምዘለዋን ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ቀንዲ ተዋስኢት እውን ምዃና ዝመስከረ ዓወደ መጽናዕቲ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.