2010-11-30 15:09:58

ፓኪስታን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ላሆር


ኣብ ፓኪስታን ስም ነቢይ መሓመድ ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ከምዝኾነ ኣብ ናይ ገበነይና መቅፅዒ ሕጊ ዘሎ ውሳኔ መሠረት፣ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ወርሒ ሰነ 2009 ዓ.ም. ንነብይ RealAudioMP3 መሓመድ ዘርክስ ጸያፍ ቃል ተጠቂመን ዝብል ክሲ ቀሪቡወን ናይ ኢታንዋሊ ከባቢ ናይ ገበን ኣጻራዪ ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ፣ ገበነይና ኢየን እንክብል ብዝሃቦ ናይ ምጽራይ ውሳኔ መሠረት ዓንቀጽ 295 ብምጥቃስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕላ ከምዝገበረን እንክዝከር፣ ንኣስያ ንሞት ፍርዲ ዘብቅዕ ብይን ክትግበር ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር ክታም ዘድልዮ ክኸውን እንከሎ፣ በዚ መሠረት ምሕረት ክግበረለን ንርእሰ ብሔር ዛርዳሪ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ካብ ቅድስቲ መንበርን ማኅበረ ክርስትያንን ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ዕላማ ዘነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ ማኅበራት ዝቐረበ ናይ ምሕረት ጻውዒት ዝቃወም ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ክታም ናይ ምእካብ ጐስጓስ ሰነድ በቶም ናይ ሞት ፍርዲ ክረጋገጽ ብዝሓቱ ጠበቓታት ናብ ኢድ ርእሰ ብሔር ዛርዳሪ ከምዝበጽሔ ክንገር እንከሎ ነዚ ብምጥቃስ ናይ ላሆር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንጉዳይ ኣስያ ቢቢ ዝምልከት ናይ ይግባይ ሕቶ ኣብ ሥርዓት ከይዲ ቤት ፍርዲ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ስነ ተመስጦ መንፈሳዊ ሕይወት ኣብ ምስልምና እምነት መምህር ናይ ፍልስፍና ሊቅ ፓኪስታናዊ ካቶሊክ ምእመን ሞቢን ሻሂዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቶም ርእሰ ብሔር ዛርዳሪ ናይ ምሕረት ክታም ከየንብሩ ዝሓተቱ ጠበቓታትን ብዙሓት ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ቁርዓንን ነቢይ መሓመድን ምርካስ ምሕረት ዘይግበረሉ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ብምጥቃስ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ ምዃኑ ኣረዲኦም።

እዚ ሓድሽ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ሕቶ ንጉዳይ ኣስያ ቢቢ ዝምልከት ከይድኣዊ ቤት ፍርዲ ዘደናጉይን ኣብ ቤት ማሕብስ ንነዊሕ እዋን ክጸንሓ ዝድርኽ እውን ምዃኑን ጠቒሶም፣ እዚ ኣብ ፓኪስታን ኩነታት ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነት ከምዘሎ ዘረድእ ዝሕዝን ኣጋጣሚ ኢዩ ኢሎም። ኣብታ ሃገር ናጻ ዜጋ ኮይንካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን እምነትካን ሃይማኖትካን ናይ ምንባር ናይ ኣምልኾ ነጻነት ምንባር ዘይከኣል ኢዩ። ብጠቕላላ ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፣ ብዙሓት ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን ፓኪስታን ብሓይሊ ሃይማኖቶም ሓዲጎም ናብ ምስልምና ሃይማኖት ክልውጡ ጸቕጢ ከምዝገበረሎምን፣ መብዛሕቲኡ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ደቀንስትዮ ዝወርድ ሓደጋ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እቲ ህልው ኩነታ ፓኪስታን ናይታ ሃገር ማኅበረ ክርስትያን ንኽስደድ ዝድርኽ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃል ምልልስ ደምደሙ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ፓኪስታን እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ንሞት ዘብቕዕ ገበን ኮይኑ ዝሕሰብ ብምዃኑ እዚ ሕጊ’ዚ ካብ ዝጸድቕ ንነጀው ኣብ ኣጠቓቕማኡ ኮነ ትግባሬኡን ሸፈጥ ከምዝርኤን ብዘይግብእ ምጥቃም እናሰፍሔ ንብዙሓት ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕይወት ንሓደጋ ብቐሊሉ የቃልዕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ብዝተፍላልዩ ናይ መራኸቢ ቡዝሃን ዝግለጽ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.