2010-11-30 16:16:21

ቪዚታ ኣድ ሊሚና ጳጳሳት ፍልፒን


ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ እትርከብ ሃገረ ፍሊፒን ነቲ አብ ሓሓሙሽተ ዓመት ኩሎም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ምብፃሕ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምግባርን ምስ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሃለዋቶም ንምዝታይን ኣብ ሮማ ይርከቡ።

ትማሊ ምስ ቅዱስነቶም ብሓባርን በብግልን ኣብ ዝተራኸበሉ ቅዱስ ኣቦና ‘ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍሊፒን ብውዕውዕ መንፈስ ትንቀሳቀስ ዘላ ኮይና ቀንዲ መለለዪኣ እቲ ሕይወት ንምክልኻል ኣንፃር ብልሽውናን ናይ ሞት መቅፃዕትን እተካይዶ ቃልሲ እንክኾን በዚ ኸኣ ኩላዊት ቤተ ክርስያን ተመስግነኩም፣ በርትዑ፣ ምናዳ ኣብቲ ኣንፃር ምንፃል ፅንሲ ናይ ሞት መቅፃዕትን ድኽነትን ብልሽውናን እትገብርዎ ግድል ኣይትሕመቁ’ እንክብሉ በታ ቤተ ክርስትያን ዝተሰመዖም ዕግበት ገሊፆምሎም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ መራኸቢ ብዙኃን ኣብዚ ግዜና ብዙሕ ነገር ክገብር ስለዝኽእል ንመልእኽቲ ቅዱስ ወንጌል ብዝስሕብን ዝሃንፅን መንገዲ ከቅርቡ ሐደራ ቢሎም።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዘመልክቶ ቤተ ክርስትያን ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ወይ ትምህርቲ ኣይትገብርን። እንታይ ደኣ ከምቲ ኣብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ደስታን ተስፋን ጋውድዩም ኤት ስፐስ ዝብል መምርሒ ተመልኪቱ ከምዘሎ ‘ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕንፀት ቅኑዕን ፍትሓውን ማኅበረስብ ኣብ ምስፋን ፍቅርን ሰናይ ተግባርን እጃማ ተበርክት፣ ነዚ ንሓቂ ወንጌል እናሰበኸት እያ እተካይዶ፣ በዚ ኸኣ ንኩሉ ፅፍሕታት ተግባራት ደቂ ሰባት ተብርህ፣ ልዕሊ ኩሉ በቲ ክርስትያን ዝህብዎ ምስክርነት ነፃነት ፖሎቲካን ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ከምዝጐልሕ ትገብር፣’ እንክብሉ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ኣነፂሮም።

ቤተ ክርስትያን ኣህጉር ኤስያ ብዕብየት ብዝሒ ክርስትያን ዳርጋ 95% ካቶሊካውያን ዝኾኑሉ ቦታት ኣሎ፣ ብሓፈሻ ልዕሊ 90 ሚልዮን ካቶሊካውያን ምዃኖም ፀብፃባት ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ዘረባኦም ብምቅፃል፣ ንሕይወት ወዲ ሰብ ካብ ፅንሲ ክሳብ ሞት ምክልኻሉ መልእልተ ባህርያዊ ሕግን ናይ ተፈጥሮ ሕግን ዘስተምህሮ ክንዲ ዝኾነ ወንጌል ከኣ ነዚ ስለዝምህር መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቀደም ይኹና ዘመናውያን ንሓቂ ወንጌል ካብ ምብሳርን ምምሃርን ዓዲ ከይውዕላ ሓደራ፣ ድሕሪ ቢሎም ቤተ ክርስትያን ከምቲ ኣብ ፖሊቲካ ኣይትኣትውን ግን ኣብ ሕንፀት ደቂ ሰባት ንነፃነትን መሰልን ደቂ ሰባት እጃማ ተበርክት ዝበልዎ፣ ብሣልሳይ ደረጃ ዝጠቀስዎ ኣርእስቲ ቁጥባውን ማኅበራውን ሕቶታት ደቂ ሰባት እውን ሽሕ እኳ ብቀጥታ ንቤተ ክርስያን ዘይምልከቱ እንተኾኑ ቤተ ክርስትያን ፍሉይ ቆላሕታ ክትገብረሎም ዘለዋ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቁጠባ ነቶም ዝደኸዩ ብመስርዕ ማኅበረሰብ ከኣ ናብቶም ድኹማትን ኣላዩ ዘይብሎምን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊፆ።

‘ካብ ሕዝብኹም ብዙሓት ብዘይ ሥራሕ ተሪፎም ዝሳቀዩ ኣለው፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ከኣ ዚኣክል ማኅበራዊ ትሕተ ቅርፂ ብምስኣን ንኽትነብር ካብ ዘድልዩ መሰረታውያን ነገራት ክሳብ ንሕንፀት ሰብኣውን ማኅበረሰውን ዕብየት ወዲ ሰብ ዘድልዩ ትምህርቲ ሓለዋ ጥዕና ወዘተ ዝተንፍጎ ከባቢታት እውን ኣሎ፣ ቤተ ክርስትያን ከስ ናብዚኦም ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ መሓውራ ኣብዚ ከባቢታት እዚ ክትዝርግሕ ሓደራ’ ድሕሪ ምባል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለፅዎ ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ቤተ ክርስትያን ፍሊፒን ብሓይሊ ትቃለሰሉ ዘላ ብልሽውና ምዃኑ ብምጥቃስ ፍትሓውን ዘተኣማምንን ርእስኻ እትኽእለሉን ሥርዓተ ቍጠባ ክሳብ ዚትከል ኣበርቲዖም ክሠርሑ ሓደራ ብማለት ዘረባኦም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.