2010-11-27 16:55:37

ጋዜጠኝነት ማለት ንሓቂ እናኣገልገልካ መስትያት ሕዝቢ ምዃን ኢዩ።


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ምስ ልኡኻን ናይ ሶሙናውያን ካቶሊካውያን መፅሔታት ዓዲ ጣልያን ሓለፍቲ ማኅበር ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ‘ኣብዚ ዘመነ ምጥርጣር መፅሔታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንጉዳይ እምነት ልዕሊ ዝኾነ ነገር ከነፅራ ከምዘለወን ብምምልካት ‘ጋዜጠኝነት ማለት ንሓቂ እናኣገልገልካ መስትያት ሕዝቢ ምዃን ኢዩ።’ እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ወንጌል ዝምህሮ ሓቅን መንገድን ከዋዕውዑ ሓደራ ቢሎም።

ቀፂሎም ከኣ ‘ሎሚ ካቶሊካውያን ጋዜጠኛታት ከምቲ ወንጌል ዘመልክቶ ኣብ ዓለም መባዅዕቲ ብምዃን ነቲ ዘሎ ቁሩብ ሠናይ ተግባር ከቃልሓ፣ ኣብ ክትዕን ምዝርጋሕ ሓበሬታን እሙናትን ፅኑዓትን ክኾና፣ ነቲ ቤተ ክርስትያን ዕለት ዕለት ትምህሮን ቅድምያ ብምሃብ ትሰርሓሉን ንዘላ ትምህርቲ እምነትን መሪሕነት ቅዱስ ወንጌልን ብቁዕን ኣድማዕን ብዝኾነ መንገዲ ከተሓላልፉ ግዴታ ከምዘለዎም ክግንዘቡ የድሊ። ዝኾነ ካቶሊካዊ ፅሑፍ በዚ መምርሒ እዚ ክጓዓዝ ኣለዎ’ እንክብሉ ን300 ዝኾኑ ወከልቲ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅሰ ማኅበር መብርሂ ሂቦም።

እዚ ማኅበር እዚ ዝውክሎም ሶሙናውያን መፅሔታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ጣልያን ልዕሊ 188 ከምዝኾነን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሶሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሕ ከምዝዝርግሑን ናይቲ ማኅበር ኣቦ መንበር ገሊፆም፣ ዕላማ ናይዘን መፅሔታት ከኣ ነቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ናብ ኩሉ ምብፃሕ ኢዩ፣ ስለዚ ተልእኾና ስብከተ ወንጌላዊ ኢዩ፣ ቢሎም።

ቅዱስነቶም እጃም ናይዘን መፅሔታት እንከብርሁ፣ ንወንጌል ክርስቶስ በቲ ማኅበረ ክርስትያን ዕለት ዕለት ዝነብሮን ዝገብሮን ፍፃሜታትን ምስክርነትን ጌርካ ምብሳር እጃም እዘን መፅሔታት ኢዩ፣ ከምቲ ንእሽቶ መባዅዕቲ ንብዙሕ ሓሪጭ እተብኵዕ ቤተ ክርስትያን እውን ከማኡ ኣብ ማኅበረሰብ ዓለም ነቲ ሓቀኛን ቅኑዕን ፅቡቅን ዝኾነ ነገራት የዕብን የብስልን፣ ግደ እዘን መፅሔታት ከኣ ህላዌ ናይዚ መባዅዕቲ ኣብ ቃልዕ ኣውፂእካ ምእዋጅ ኢዩ፣ በዚ ኸኣ እቲ መልእኽቲ ሓቅን ተስፋን ዝኾነ ናይ ጎአይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ማኅበረሰብ ክባፃሕ ይከኣል’ ብማለት ድሕሪ ምምዓድ ንኹሎም ብምምስጋን ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎም ኣሰናበትዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.