2010-11-27 14:32:47

ናይ በኒን መንግሥትን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝምጽእ ዘሎ ዓመት ካብ ዕለት 18 ሕዳር ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ በኒን ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖን ናይ ቤኒን መንግሥትን ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሓባር ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ RealAudioMP3 ኣፍሊጦም።

ቅዱስነቶም ናይ ቤኒን ርእሰ ብሔር ቦኒ ያዪን መንግሥቶምን ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት መበል 150 ዓመት ኢዮቤል ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቤኒን ብሓባር ንዘቕረብሎም ዕድመ ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ብሓጎስ ከምእተቐበልዎ መንግሥትን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቤኒን ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣንከመልክቱ፣ ከምኡ ድማ ዕለት 13 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈለዩ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓቢይ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ተጸዊዖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ተወላዲ ቤኒን ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል በርናድሪን ጋንቲን ንምዝካር ኣብ ዝካየድ መደብ ንኽሳተፉ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤኒን ኣብ ዘካይድዎ ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣብ ፍጻሜ ዘጽደቖ ናይ ሓባር ሰነድ ተረኪቦም፣ ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚዩቕን መጽናዕትን ኣስተንትኖን ዝደረስዎ ድኅረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ቤኒን ንእትርከብ ቤተ ክርስትያን ከረክቡ ምዃኖም እቲ ናይ ሓባር መግለጺ እንከፍልጥ፣ እዚ መደብ ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ብዅለ መዳይ ዕዉት ክኸውን መንግሥትን ካቶሊክ ቤተ ክስትያን ቤኒን ብሓባር ዘድልዩ ምድላዋት ክግበሩ ምዃኖ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሰነ ንክሮኣዚያ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብምኻንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንስፔይን ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ ኣብ ጀርመን ከተማታትማ በርሊንን ፍሪንቡርግን ኤርፉርትን ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.