2010-11-27 14:34:12

ተቛም ቫቲካን ዮሴፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16


ብዙሓት ምሁራት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብዮሴፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል ሥም ዝጽዋዕ ሓደ ተቛም ክምሥረት ዘቕርብዎ ሕቶን ዝገለጽዎ ድላይ ቅዱስ ኣቦና እወታዊ ምላሽ ከምዝሃብውሉን፣ እነሆ እዚ ዝቐውም ተቛም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቀንዲ ዕላማኡ ብፁዕ ካርዲናል ዮሴፍ ራትዚንገር ናይ መንበረ ጥበብ RealAudioMP3 መምህርን ናይ ካቶሊክ ኣንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ እንከለዉን ሕጂ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕረብዎ ኣስተምህሮታትን ድርሰታትን ፍሉይ መጽናዕቲ ንምክያድን ናይ መጽናዕቶምን ኣስተምሆራታቶምን ድርሰታቶምን ዓንዲ ክስለ ሓሳብ ንምቅላሕን፣ ቲዮሊጊያዊ ፍልጠት ንምንቕቓሕን ኣብዚ መዳይ ዝተደገፈ መደብ ዓውደ መጽናዕታት እውን ምድላው ዝብል ምዃኑ ትማሊ ብዛዕባ እዚ ተቛም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ናይዚ ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ስኮቲ ብዛዕባ እዚ ተቛም ኣመልኪቶም ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ዘርኢ ሰብ ሥር ነቐላዊ ሕቶታት የድልይዎ ኢያቶም፣ ነዚ ድማ ቲዮሎጊያዊ ሥነ ምርምር ነቶም መሠረታውያን ሰብኣዊ ሕቶታት መልስታቶም ከቕርብ ዝኽእል ምዃኑን ኣመልኪቶም፣ እግዚኣብሔር ዝምልከተናን ዝምልሸልናን ምዃኑ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅዉም ሓሳብ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ተመራመርትን ነዚ ንምባል ክበቕዑ ብስነ ምርምር ዘነቓቕሕ ተቛም ኢዩ ኢሎም።

ናይ ክርስትና እምነት ዝህቦምን ዘቕርቦምን መልስታት ንምርዳእ ቀልባውን ምሁራውን ትሕትና የድሊ፣ ናይ ክርስትና እምነት ንዘርኢ ሰብ ዘቕርቦም መልስታት ርትዓውነቶም ቀሪብካ ምርዳእን እነብረሉ እዋን ክርድኦን ክበጽሖን ዘኽእሎ ምዃኑን፣ ኵላውነት ሠረቱን ዘረኢ ሰብ ሓቀይና ምንባር ክነብር ኣብ ጽሑፋትን ኣስተምህሮታትን ድርሰታት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተመርኵይዙ ዘረድእን ዝሕግዝን ኢዩ ኢሎም።

ቀጺሎም ነታ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ንንባብ ዝበቕዔት ብርሃን ኣብ ዓለም ዘርእስታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ጋዜጠይና ዶክተር ፒተር ሲዋልድ ዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲታት ዘጠራነፈት መጽሓፍ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዝቐረበሎም ሕቶታት እንክምልሱ ካብቲ ሓታቲኦም ንላዕሊ ሕቶታት የቕርቡ፣ እዚ ድማ ናብ ሓቂ ንምብጻሕ ቅዱስነቶም ቅድምን ሕጂን ዝጥቐምሉ ናይ ስነ ምርምር ሜላ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሥነ ምርምር ኮሚቴ ሊቀ መንበርን ናይዚ ናይ ቫትካን ተቛም ጆሰፍ ራትዚንገርን - ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ስነ ምርምር ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ሩዊኒ፣ እዚ ተቛም እግዚኣብሔር ናይ ስነ ምርምር ኣስተንትኖ ማእከል ክኸውን ምሁራት ዝገለጽዎን ዘለዎምን ልዑል ድላይ ግምት ብምሃብ ንዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል መሠረት ኢዩ እንክብሉ ነቲ ተቛም ብውግዒ ንምልላይ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.