2010-11-27 14:35:27

ቤተሰብ በዓል ቤት ኣስፍሆተ ወንጌል


ክርስትያን ሥድራ ቤት ከም በዓል ቤት ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሥድራ ቤት ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦን ኣብ ሮማ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ናይ ሕይወት ባህሊ ንምንቕቓሕ ምስ ምጅማር ዘመነ ምጽኣት ብምትሕሓዝ ንዝውለድ ሕይወት ዋዜማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. RealAudioMP3 ብዝመርሕዎ ቀዳማይ ጸሎተ ሠርክ ክዛዘም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ናይ ትማሊ መደቡ ክርስትያናዊ ሥነ መዕበያ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን ክርስትና ሕንጸትን ንምሥጢረ ተክሊል ንዝዳለዉ ምእመናን ሕንጸት ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈሩ ሥድራ ቤት ብዘቕረብዎ ምስክርነትን ተመኵሮን ተሰንዩ ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ ንሥድራ ቤት ዝኣመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሥድራ ቤት ኣስፍህተ ወንጌል ዝበጽሖ ተቐባሊ ኣካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል በዓል ቤት እውን ኢዩ። ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝበጽሖ ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብገሰሉ እውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ሥድራ ቤት ንእሽተይ ቁምስናን ቀዳመይቲ በዓል ቤት ኣስፍሆተ ወንጌል ብምዃና መንፈሳውነት ዝንበረሉን ናይ ገዛእ ርእሱ ክርስትያናዊ ሊጡርጊያ ከምዘለዎን ዘተሓሳሰበ ጉባኤ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ቅድሚ ምሥጢረ ተክሊል ጥራሕ ዘይኮነስ ቀጻልነት ብዘለዎ መገዲ ኣብ ምሕረት ዘማእከል ናይ ፍጹም ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ንሓደስቲ ሰብ ሓዳር ቀሪብካ ምድጋፍን እዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን፣ ነቲ ኣናሰፍሔ ዘሎ ምፍልላይን ፍትሕን ብዓንተውኡ ንምውጋድ ወይ ድማ ንኸይህሉ ዝሕግዝ ምዃኑን፣ ሥድራ ቤት ውላድ ንክርስትና ሕይወት ዝዳለወሉ ቅዱስ ሥፍራ ምዃኑ ብዕምቆት ዘነጽር ኣብ ሥድራ ቤት ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣዚዩ ኣገዳስነት ከምዘለዎን ሥድራ ቤት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራ ዘለዎ ዘነጸረ ጉባኤ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.