2010-11-27 14:36:54

መበል 85 ናይ ፈረንሳ ማኅበራዊ ሰሙን


ናይ ፈረንሳ መበል 85 ማኅበራዊ ሰሙን ገኣዝያንን ኤውሮጳን ብዝብል እርእስቲ ተሰንዩ ትማሊ ናብ ዝተጀመረ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ መልእኽቲ RealAudioMP3 ከምዘመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብፁዕነቶም ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ስደተይና ቅድሚ እቲ ዝወሃቦ ናይ ሓባር ሥም፣ ሰብ ኢዩ፣ ስለዚህ እቲ ሓቀይና መግለጺኡ ሰብኣውነቱ ምዃኑ ዘነጽር መልእኽቲ እንከመሓላልፉ፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ምዕቡል ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘመን ንማኅበርሰብ ኣብ ቅዲሚኡ ቆይሙ ዘሎ ብድሆ ንሱ ድማ ጉዳይ ስደትን ስደተይናንን ብላዕሊ ላዕልን ብስምዒትን ምርኣይን ኣብዚ ዝተመርኮዘ መልሲ ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ ብሓፈሻኡ ነባሪ መፍትሒ ከምዘየምጽእ ገሊጾም፣ ስደተይና ንናይ ሓንቲ ሃገር ኵለ መዳያዊ መለለዪ ጸገም ከምዝኾነ ጌርካ ምርኣይ ዝሰፍሕ ኣመለኻኽታ ሓደገይና ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስደተይና ሃብቲ እምበር ምኽንያት ፍርሕን ሻቕሎትን ኣይኮነን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስደትን ስደተይናን ቤተሰብኣውን ባህላውን ሃይማኖታውን ኣድማሱ ግምት ምሃብ ስደተይና ኣብ ዝተኣንገደሉ ሃገር ተወሃሂዱ ንምንባ ንዝብገር ጻዕሪ መሠረት ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣረዲኦም፣ ስደተይና ንዝተኣንገደላ ሃገርን ንዝነቕለላ መበቆል ሃገሩ ወይ ድማ ዓዱ ዘረራኽብ ድልድይ ምዃኑ ብዘረድእ ሓሳብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.