2010-11-25 15:25:12

ፓኪስታን፣ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዘቕጽዕ ሕጊ


ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ዝሽመን ወርሒ ሰነ 2009 ዓ.ም. ንነብይ መሓመድ ዘጥቅዕ ጸያፍ ቃል ተዛሪባ ዝብል ክሲ ብናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ንሞት ፍርዲ ዘብቅዕ እግዚኣብሔርን RealAudioMP3 ሃይማኖትን ምርካስ ዝብል ዓንቀጽ 295 መሠረት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒለን ናይ ሞት ፍርዲ ክቕበላ ከምእተወሰነን እንክዝከር፣ ኣብ ፓኪስታን እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ንሞት ዘብቕዕ ገበን ኮይኑ ዝሕሰብ ከምዝኾነን፣ እዚ ሕጊ’ዚ ካብ ዝጸድቕ ንነጀው ኣብ ኣጠቓቕማኡ ኮነ ኣብ ትግባሬኡ ሸፈጥ ከምዝርኤን ብዘይግብእ ምጥቃም እናሰፍሔ ንብዙሓት ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕይወት ንሓደጋ ብቐሊሉ የቃልዕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ብዝተፍላልዩ ናይ መራኸቢ ቡዝሃን ዝቐርብ ሓበሬታ ዘረጋግጾ ኢዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ እሲያ ቢቢ ዝተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ ውድቂ ክኸውንን መንግሥቲ ፓኪስታን ናጻ ክብለንን እቲ ኣብታ ሃገር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዘጠቓልሎ ስም እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ዓንቀጽ ክሕከኽ ንምትብባዕ ዝኣመተ ተልኾ መሠረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ሎሚ ናብ ፓኪስታን ከምዝነቐሉ ተሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ምስ ናይ ፓኪስታን መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ክራኸቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ጉዳይ ሚኒ. ክርስትያን ምእመን ሻህባዝ ብሃቲ ካብ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና መጠንቀቕታ መቕተልቲ ከምእተመሓላለፈሎም እሲያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥብብ ናይ ትምህርቲ ዓመት መኽፈቲ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እስያ ቢቢ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ክትብሃል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ናብ ፓኪስታን ክነቕሉ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር ዛርዳሪ ናይ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ጉዳይ ሚኒ. ብሃቲ ዘዳለውዎ ቢቢ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ክትመሓር ዝሓትት ሰነድ ክርከቡ ምዃኖ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ገሊጾም፣ ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ፓኪስታን ስም እግዚኣብሔርን መሓመድ ነቢይን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ክሕከኽ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘቕረበት እውን ዘኪሮም፣ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብቲ ዘካይድዎ ርክብ ዳግም ነቲ ጻውዒት ከቕርብዎ ምዃኖም ገሊጾም።

ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካን ታሪኽ ሥልጣኔታት መምህር ሪካርዶ ረዳኤሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ስም እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ካብ 1980 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ፓኪስታን ምስልምና ሃይማኖት እዚዩ ክሰፍሕ ካብ ዝጀመረሉ ዓመት ንነጀው ዝተወልደ ኣመለኻኽታ ከምዝኾነን እዚ ሕጊ ንክርስትያን ምእመናን ፓኪስታን ሰዓብቲ ካልኦት ውሁዳን ሃይማኖታት ብጠቕላላ ሓደጋ ምዃኑን እግዚኣብሔርን ነቢይ መሓመድ ብዘርክስ ገበን ዝተኸሰ ብቐጥታ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕበል ዝብል ሕጊ ብቐሊሉ ዝትግበር ከምዝኾነን እዚ ድማ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ምእመናን ክርስትያን ፓኪስታን ካብ ሃይማኖት ንምስዳዕን ንምፍርራሕ ዝኣመተ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖትካ ናይ ምንባር ነጻነት ብቕዋን ናይታ ሃገር ውሑስ እኳ እንተኾነ ብካልእ መዳይ ሃይማኖት ምቕያር ዝብል ነጻነት ዝቃወም ጸረ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኢዩ። ካብ ምስልምና ሃይማኖት ወጺእካ ናብ ካልእ ሃይማኖት ምእታው ወይ ድማ ምልዋጥ ገበን ኢዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ብግልጺ ዘይኮነ እቲ ምስልምና ሃይማኖትን ነቢይ መሓበድን ምርካስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን እዩ ዝብል ውሳኔ ዘጠቓልሎ ሕቡእ ኣመለኻኽታ ኢዩ ኢሎም።

እስያ ቢቢ ካብ ሞት ፍርዲ ናጻ እንተተበሃላ እውን ድሮ ሕይወተን ንሓደጋ ተቓሊዑ ኢዩ፣ ብኻልኦት ኢድ ናይ ሞት ሓደጋ ክምዘጓፈን ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚህ ካብ ሞት ፍርዲ ምሕረት ተገይሩልካ ናብ ዕለታዊ ናብራኻ ክትመለስ ማለት ዘበት ምዃኑ ኣመልኪቶም መፍትሕኡ ካብ ፓኪስታን ወጻኢ ምንባር ጥራሕ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.