2010-11-23 15:57:44

ፓኪስታን፣ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዘቕጽዕ ሕጊ


ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ዝሽመን ወርሒ ሰነ 2009 ዓ.ም. ንነብይ መሓመድ ዘጥቅዕ ጸያፍ ቃል ተጠቂመን ዝብል ክሲ ቀሪቡውን ናይቲ ዝነብራሉ ኢታንዋሊ ከባቢ ኣጻራዪ ገበን RealAudioMP3 ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ፣ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ከጻርይ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ፓኪስታን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ንሞት ፍርዲ ዘብቅዕ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዝብል ዓንቀጽ 295 ብምጥቃስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕላ ከምዝገበረን ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ፓኪስታን እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ንሞት ዘብቕዕ ገበን ኮይኑ ዝሕሰብ ብምዃኑ እዚ ሕጊ’ዚ ካብ ዝጸድቕ ንነጀው ኣብ ኣጠቓቕማኡ ኮነ ኣብ ትግባሬኡ ሸፈጥ ከምዝርኤን ብዘይግብእ ምጥቃም እናሰፍሔ ንብዙሓት ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕይወት ንሓደጋ ብቐሊሉ የቃልዕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ብዝተፍላልዩ ናይ መራኸቢ ቡዝሃን ዝግለጽ ኢዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ፑንጃብ ኣመሓዳሪ ሳልማን ታሲር ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ አሲያ ቢቢ ሃይማኖት ብዘርክስ ሕጊ ተኸሲሰን ትሕቲ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓለን በቶም ከሰስተን ኣብ ልዕሌኤን ብተደጋጋሚ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ዘኪሮም፣ ካብ ሞት ፍርዲ ናጻ ክበሃላ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ምሕረት ጻውዒት ናብ ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር ኣሲፍ ኣሊ ዛርዳሪ ከምዝበጽሔ ጠቒሶም፣ ዝተፈርደን ናይ ሞት ፍርዲ ከይጠቐሱን ኣብ ሕቶ እውን ከየእተዉን ጉዳይ ቢቢ ብዓይኒ ሰብኣዊ ክርአ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።
ቅድሚ ትማሊ ኣብ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ማኅበረሰብ ፓኪስታን ቃል ኪዳን ኣብ ከተማ ላሆር ቢቢ ናጻ ክትበሃል ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየደ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብተወሳኺ ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ምርካስ ንሞት ዘብጽሕ ገበን ዝብል ሕጊ ክሕከኽ ሕቶ ዘቕረበ ምዃኑ ናይ ፓኪስታን ውሁዳን ቃል ኪዳን ጉዳይ ደቀ ንስትዮ ዝከታተል ድርገት ሓላፊት ክርስትያን ምእመን ናጅሚ ሳሊም ከምዝገለጻን፣ ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ጽውዒት ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ዝሓቝፉ ማሕበራትን ዘይመንግሥታውያን ማኅበራት እውን ዝደገፍዎ ኢዩ ከምዝበላ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ታሃፉዝ ናሞስን ሪሳልታት ማሃዝ ዝተሰምዩ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ማኅበራት እቲ ሕጊ ከይሕከኽን ርእሰ ብሔር ፓኪስታን ንቢቢ ናይ ምሕረት ውሳኔ ከይኽትሙ ብዅሉ መዳይ ኣበኪሮም ክንቀሳቐሱ ምዃኖም ነቲ ምእንቲ ምሕረት እስያ ቢቢን ነቲ መሰልን ፍቓድን ውሁዳን ሃይማኖትን ዓሌትን ዝግሕስ ሕጊ ክሕከኽ ዝሓትት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብምቅዋም ኣብ ዝውጽእዎ መግለጺ ከምዘመልከቱ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.