2010-11-23 15:59:40

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ


ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶስክን ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብዙሕ ሽግር ዘጋጥሞ እኳ እንተኾነ፣ ሰናይ ውጽኢት የዕትር ከምዘሎ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ርክስትያን ፓትሪያርክ RealAudioMP3 ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ብረቪቨት እተሰምየ ሃይማኖታውን ባህላውን ዑደትን መደብ ምብጻሕ ቅዱሳት ሥፍራን ዘዳልው ትካል ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ባህልን መንፈሳዊ ንግደት ጉዳይ ዝሓልዩ ማኅበራትን ዘሳተፈ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዝሓለፉ ዓስረተ ክፍለ ዘመናት ዝተኣከቡ ፍልልያትን ዘተነብሩ ሃይማኖታዊ ባህርይ ዘለዎ መስቀላዊ ሕቶታት ብሓደ መዓልቲ ክፍታሕ ማለት ዘይሕሰብ ምኻኑ ኩላትና እንርድኦ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ ግን ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስትያን ዝተበገሰን መበል 50 ዓመቱ ዝኽብር ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳስን ካብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ናይ ሓበር ምክብባርን ፍቕርን ቆይሙ ዝተበገሰ ብምዃኑ ብዙሕ ምዕባለ የርእይ ኣሎ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ቀጺሎም፣ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስትያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓበር ዘተ፣ ብናይ ሓባር ድርገት ምስ ኩነት ሃይማኖት ክርስትና ብምትሕሓዝ ናይ ሮማ ሊቃነ ጳጳሳት ቀዳምነት ወይ ድማ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ይምልከት ከምዘሎ ዘኪሮም፣ ኣቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቪየና ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ፣ እቲ ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ዝምርሓሉ ናይ ዕዮ ሰነድ ክቕየር ስምምዕ ከምእተገብረ እውን ዘኪሮም፣ ናይ እምነት ጉዕዞ ዝኽተል መንፈሳዊ ምብጻሕን ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ፣ እዚ መደብ’ዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።

ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ካጳዶቂያ ካብ ዕለት 14 ግንቦት ክሳብ 16 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ናይ ሓባር ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም፣ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እቲ ሎሚ ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ህያው ኮይኑ ቀጻልነቱ ውሑስ ዝገንር ርክብን መሠረት ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝጸንዕ ዘሎ ርክብን ምቕርራባትን ከምዝጠቐሱ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.