2010-11-23 13:33:13

ንቤተ ክርስትያን ንምግልጋል ኣብ ጸሎትኩም እምሕጸን


ነዙይ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ምስቶም ዝሓለፈ ሰንበት ዝሸምዎም 24 ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዝገበርዎ ፍሉይ ርክብ ኢዩ።

ሓደስቲ ካርዲናላት ምስ ቤተ ሰቦምን ምእመናኖምን፤ ትማሊ ረፍዲ ምስ ር.ሊ.ጳ ከምተራኸቡን ቅዱስነቶም ከኣ ንሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ መንፈሳውን ሓዋርያውን ተልእኮኦም ዕውታት ክኾኑ ድሕሪ ምትብባዕን ምምናይን ‘ኣብ ቤተ ክርስትያን ንዘለው ንዝተፈላለዩ ድምጽታት ጽን ቢሎም ክሰምዑ ዚኽእሉ ኪኾኑ ከምዘለዎም’ ብምዝኽኻር ንቤተ ክርስትያን ንምግልጋል ኣብ ጸሎትኩም እምሕጸን ቢሎም።

ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ንዓለምና ሎሚ ሸጊርዋ ዘሎ ተስፋ ምስኣን ስለዝኾነ፤ እዞም ሓደስቲ ካርዲናላት ነዛ ዓለምና ተስፋ ንኽህቡ መሰኻኽር ወንጌል ክኾኑ በዚ ከኣ ኣብዛ ዓለምና ሰላምን ሕውነትን ኣብ ምንጋሥ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም።

ሓደስቲ ካርዲናላት ካብ መላእ ዓለም ስለዝኾኑ ቅዱስነቶም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዓለምና ኢዮም ኣስተምሂሮም። ንኣብነት ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ፤ ሓደስቲ ካርዲናላት ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ብምኅባር ንሓድነትን ቅድስናን ናይ መላእ ዓለም ሕዝበ እግዚአብሔር ሠሪሖም ምእንቲ ክኽእሉ ምእምናን ምእንቲ እዞም ሓደስቲ ካርዲናላት ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም።

ቅዱስነቶም ናብቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ብምምላስ፤ ‘እዚ ግዜ እዚ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ገጽ ዝግንጸለሉ ስለዝኾነ ነዚ ጸጋ እዚ ንዝሃበና እግዚአብሔር ነመስግን፤ እዚ ቅንያት እዚ ሓያል ጸሎትን ዓሚቊ ውኅደትን ዝተራእየሉ እዩ፤ ነዚ መንፈስ እዚ ክሳብ ዘሎና ሒዝናዮ ክንጓዓዝ ሓደራ’፤ እንክብሉ ኩሎም ካርዲናላት ብጸሎትን ብምኽርን ንተኸታሊ ጴጥሮስ ክሕግዙ ትሑዛት ምዃኖም ኣብሪሆም።

ተልእኾ ካርዲናላት ንር.ሊ.ጳ ኣብ ኣገልግሎት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ምድጋፍ ምዃኑ ብምድጋም ‘ትኲረቶም ናብ ክርስቶስ ክገብሩ፤ ነዙይ ምስ ዚገብሩ ከኣ ካባኡ ጸጋን ምጽንናዕን ከምዝረኽቡ፤ በዚ ከኣ ናይቶም ዝሓለፉ ቅዱሳት ካርዲናላት ብጅግንነት ንትምህርቲ ወንጌልን እምነቱን ብምምስካር ንኣምላኽ ክብሪ ዘቅረቡ ኣሠር ክትክተሉ ትኽእሉ’ ቢሎም።

ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ከኣ ‘ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ኩርያ ይኹን ኣብ ሰበኻ እንክተገልግሉ ወትሩ ምስታ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ መንገዲ ክትተሓባበሩ ሓደራ ኣሎኩም፤’ ድሕሪ ምባል ብቋንቋ ጣልያን ንካርዲናላት ዓዲ ጣልያን ብፍላይ እንክዛረቡ ‘ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብቤተ ክርስትያን ዓዲ ጣልያን ብዝበለጸ ይህብትም ብሕልፊ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ብጥበብ ጒስነትን ውዕውዕ መንፈስ ሓዋርያነትን ዓቢ ኣበርክቶ ሂባ ኢያ’ ቢሎም።

ኣብ መወዳእታ ሓለዋ እኖና ድንግል ማርያምን ትማሊ ተዘኪራ ናይ ዝወዓለት ናይ ዕለቱ ቅድስቲ ቅድስት ቸቺልያ ሓለዋን ከይፍለዮም ብምምናይ ንኹሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣፋነውዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.