2010-11-23 15:55:09

ር.ሊ.ጳ.፦ እግዚአብሔር ፍቕሪ ኢዩ ዝብል ሓቂ ኣሚንካ ምንባር


ሮማ ኣብ ዝርከብ ግረጎሪያና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ጨንፈር መጽናዕትን ዓለም ለኻዊ ማኅበር ፈተውቲ ብፁዕ ኔውማን ብሓባር ኣብ ሕይወትን ጽሑፋትን ብጹዕ ጅሆን ሄንሪ ኒውማን ቀዳምነት እግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለውዎ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፁዕ ሄንሪ ኔውማን ናይ ኩሉ መትከል ኣብ ዝኾነ ጽግዕተይና ምዃን ሓቀይና ምሉእ ነጻነት ምዃኑ ዘመልክት እቲ ናይ ሰብኣዊ መንነት ኣብ ናይ ኵሉ ኣናስርን ትርጉምን ዝኾነ ጎይታ ምርካብ ናይ ዝብል ቀዳምነት እግዚኣብሔር ቀዳምነት ሓቅን ፍቕርን ምዃኑን ዘረጋግጽ መሠረታዊ ትምህርቲ ኣብነትን መምህርን ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 16 መሰከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ሄንሪ ኔውማን ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ብፅእና ከምዝኣወጁሎም እንክዝከር፣ ብፁዕ ሄንሪ ኔውማን፣ ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ እግዚኣብሔር ኣወኪፉ ኣብቲ ዝተገልጸ ሓቂ ተኣሚኑ ዝነብር ሕይወት ብምርግጋጽ ኣክንዲ ሰላም ሕይወት ቅድስና ዘማዕደወ እዚ ማለት ድማ ዝተቐደሰ ሕይወት መሠረት ሰላም ምዃኑ ዘነጽር ሕይወት ብምንባር ኩሉ ክቕበለካን ክወድሰካን ኣብ ዝብል ቀሊል ተመሳሲልካ ክሓድር ዝብል ንምንባር ንዝዋገይ ናይ ሓሶት ማእከላዊ ስምምዕ ንዝገብር ዓይነት ኣነባብራ ኣይፋለይ ቢሉ ሓቂ ኣብ ምድላይን ንድምጺ ኅሊና እሙን ኮይኑ ናብቲ ናይ ቅድስና ዕላማ እናማዕደወ ምንባር ዝመረጸ ወዲ ቤተ ክርስያን ኢዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ሕይወት እናዓበየ ዝኸይድ ኢዩ ዝብልን ኣብ ናይ ሕይወት ሕንጸት ዝኣምን ዓይነት ኣነባብራ ዘነጸረ ምዃኑ እክትንትኑ፣ ናብቲ ፍጹም ሕይወት ዘማዕድው ዕብየት ዕለት ብዕለት ኣብ ምዃን ሰብ ዘሎ ናይ ቅርቡነትን ድልውነት ባህርይ መሠረት ካብ ምልዋጥ ዝጭበጥ ሕይወት ዝነበረ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ብፁዕ ኔውማን ናይ ሕይወት መምህር ምዃኑ ኣብ ክልተ ደረጃ ፈልዮም ዘረድእዎ ሓሳብ፣ እቲ ውድዓዊ ሓቂ ዝኾነ ንኅልና ዝዛረብን ወዲ ሰብ ኩነታዊ ፍጡርነቱ ዝገልጽ ሰብኣዊ መንነትን ኅላዌ እግዚኣብሔር ረኺብካን ተረዲእካን ምንባር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጥርነፍ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ሓቂ ምድላይ ንህንጡይነት ባህርይ ሰብ ንምርዋይ ወይ ካኣ እቲ ዝድለ ሓቂ ካብ ምርካብ ዝነቅል ውዕዉዕ አነ በሃላይ ስምዒት ንምርዋይ ዝኣመተ ኣይኮነን፣ ሓደ ሓቂ ኢዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ቀዳምነት እግዚኣብሔር ምድላይ ኢዩ። ነዚ ሓቂ ሓንጎፋይ ቢልካ ንምቕባልን ቀዳምነት ሓቂ ንምድላይ ውሳጣውነትካ ንተቐባልነት ድልው ብምግባርን፣ ቀዳምነት ሓቂ እዚ ድማ ምስቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ብምርኻብ ዝረጋገጽ ምዃኑን፣ በዚ መሠረት ብፁዕ ኒውማን ብኽፉት ልቢ ብቕንዕናን ግልጽነት ምስ ካልኦት ቀጻሊ ዘተ ናይ ዘካይድ ሕይወት ኣብነትን መምህርን ኢዩ እንክብሉ ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽትም ከምዝገለጽዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.