2010-11-20 14:40:15

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጽእ ዘሎ 2011 ዓ.ም. ምናልባታ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሓገረ ጀርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ፍሪበርግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ዞሊትሽ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ክፍለጥ እንከከሎ። RealAudioMP3 እዚ ንናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳትን ማኅበረ ክርስትያንን ደስ ዘብል ዜና ምዃኑ ብፁዕነቶም ብምርግጋጽ፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2005 ዓ.ም. ኣብ ኮለን ብዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያትን ከምኡ ድማ ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶ ከምዝነበሩ ዝዝከር ምዃኑ ጠቒሶም።

ብፁዕ ኣቡነ ዞሊትሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ጀርመን ወግዓውን ምብጻሕ ክፍጽሙ ናይ ረፓብሊክ ጀርመን ርእሰ ብሔር ክሪስቲያን ዉልፍን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘቕረብሎም ወግዓዊ ዕድመ መሠረት ምዃኑን ሓቢሮም፣ በዚ ምኽንያት ድማ ማኅበረ ክርስትያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመንን ምስጋናኦም ብምቕራብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ቤተ ክርስትያን ጀርመንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን እምንት ዘጽንዕን ንዘርእ ሰብን ኅብረተሰብን ኣገልግሎቶ እውን ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ክሮኣዚያን ስፐይንን ዓለም ለኻዊ መደባታ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ በዚ ኣጋጣሚ ብምዝኽኻር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ፣ ቅዱስነቶም ትማሊ ንጎሆ ናይ ጀርመን ከተማ ኮሎን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆኣኪን ማይስነር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.