2010-11-18 13:53:42

ፓኪስታን፣ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዘቕጽዕ ሕጊ


ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ወርሒ ሰነ 2009 ዓ.ም. ንነብይ መሓመድ ዘጥቅዕ ጸያፍ ቃል ተጠቂማ ዝብል ክሲ ቀሪቡዋን ናይቲ እትነብረሉ ኢታንዋሊ ከባቢ ኣጻራዪ RealAudioMP3 ገበን ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ፣ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ከጻርይ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ፓኪስታን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ንሞት ፍርዲ ዘብቅዕ ሕጊ 295 እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ዝብል ዓንቀጽ ብምጥቃስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክትውዕል ከምዝገበራ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ፓኪስታን እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ምርካስ ንሞት ዘብቕዕ ገበን ከምዝኾነ ዘመልክት ሕጊ ካብ ዝጸድቕ ንነጀው እቲ ሕጊ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ኮነ ኣብ ትግባሬኡ ሸፈጥ ከምዝርኤን ብዘይግብእ ምጥቃም እናሰፍሔ ንብዙሓት ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕይወት ንሓደጋ ብቐሊሉ ዘቓልዕ ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ እንክሕብር። ኣብ ፑንጃብ ናይ ሙልታን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ አንድሪው ፍራንሲስ ኣስያ ቢቢ ካብቲ ዝተበየና ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ክትበሃል ኵሉ ምእንቲ’ዛ ኣደ ክጽሊ ብምትሕስሳብ ናይቲ ከባቢ ምእመናን ናይ ቢቢ ስቓይን መከራን ናብ እግዚኣብሔር ንምቕራብ ብሓባር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ክካይድ ምዃኑ ከምዘልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ዶሚኑስ የሱስ ዝብል ሥርወ እምነት ዝኸታተል ቅዱስ ማኅበር ዕለት 6 ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ቅድሚ ምምራጾም ናይዚ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ እንከለዎ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ብዝብል ክታም ብፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝጸደቐ ኢየሱስ ጎይታ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን እንኮን ኩላውን መድሕን፣ እዚ ድማ እግዚኣብሔር ብጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዝፈጸሞ መደብ ምድሓንን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ብሱታፌ ኵላዊ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ምዃኑ ዘነጽር ናይ እምነት ሰነድ ናብ ኡርዱ ቋንቋ ከምዝተርጎምዎን ብዙሓት ሰዓብቲ ምስልምና ሃይማኖት ከንብብዎ እውን ከምዘባጽሕዎን ሓቢሮም፣ ኣብቲ ናይ እምነት ሰነድ ኣብቲ እዋኑ ብፁዕ ካርዲናል ዝነበሩ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሾሙ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ናይ ሕሊናን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣገዳሲ ዝብል ሓሳብ፣ ኣብ ኅብረተሰብ ፓኪስታን ቅቡል ኮይኑ ክሰፍሕ ብዝተፈላለየ መዳይ መግለጽን መረዳእታን ኣብ ምቕራብ ከምዝርከቡ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ንናይ ፓኪስታን ማኅበረ ክርስትያን ናጻ ናይ ጠበቓ ኣገልግሎት ዘቕርብ ማኅበር ኣወሃሃዲ ክርስትያን ምእመን ናሲር ሳኢድ መንግሥቲ ፓኪስታን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝምልከቱ ሕቶታት ዕቱብ ኣተኩሮ ክገብረሉን ብዅሉ መዳይ ክኽበር ከተባብዕ ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ፣ እዚ መታን ክረጋገጽ ድማ ሕቡራት መንግሥታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ንመንግሥቲ ፓኪስታን ጸቕጢ ክግበሩ ሓደራ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኤሺያን ኔውስ ዘነቓቐሖ አሲያ ቢቢ ናጻ ክትበሃል ዝጽውዕ ጎስጓስ ዝኽተሉ ኣብ ኩለን ሃገራት ብዝሖም ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.