2010-11-18 15:27:34

እምነት ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ነሐድስ፤


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ትነብር ዝነበረት ቅድስት ዡልየን በዓልቲ ኮርኒሎን ሕይወትን ተጋድሎን ብምትኳር ብዙሕ እኳ ፍልጥቲ እንተዘይኮነት ንቤተ ክርስትያን ግን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ሓቢሮም፤ እዛ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ዝዘኽተመተን ሕይወታ ንእግዚአብሔር ብምውፋይ ኣባል ደናግል ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምዃን ብኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ገድላ ዝፈጸመት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝገለጸላ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ናብ ኩሉ ኩርንዓት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኽባጻሕ ብዙሕ ዝጸዓረት እያ።

እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርትስቶስ እንመሃሮ ‘ብናይ ወይንን ኅብስትን መልክዕ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ነፍስን መለኮትን’ ዝሓዘ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ብራእይ ተገሊጹላ እዚ ሎሚ ብዓለም ለኸ ደረጃ እነኽብሮ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ከስ መሠረቱ እዛ ቅድስት እዚኣ እያ፤ ብሕይወታን ገድላን ጣዕሚ ኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ዝኣክል ምስ ኣስተማቀረት ካልኦት እውን ከምኣ ናይዚ ፍሉይ መለኮታዊ ፍቅሪ ተኻፈልቲ ክኾኑ ብስግደት ቅዱስ ቊርባን ንዝርከብ ጸጋታት ክሓፍሱ ኣኽል ታርፍ ቡራኬ ክረኽቡ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ክግበር ጐይታ ባዕሉ ኣዚዝዋ፤ ምስ ር.ሊ.ጳ ኡርባን ራብዓይ ብምርኻብ ኩሉ ነገረቶም፤ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቲ ንሳ ዝነበረትሉ ዓዲ ሰበኻ ልየጅ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ብዓቢ ክብሪ እንክበዓል፤ ብድሕሪኡ ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዓለም ለኸ ደረጃ ነዚ በዓል ክተብ ዕል ኣዊጆም ንቅዱስ ቶማስ ዘአኲኖ ከኣ ነዚ ሥርዓት ዚምልከት መልክዓ ቅዱስ ቊርባንን ኣኰቴተ ቊርባንን ክደርስ ኣዘዙ፤ ኣብቲ ግዝያት እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ብ1263 ጴጥሮስ በዓል ፕራግ ዝበሃሉ ጀርመናዊ ካህን ንንግደት ንሮማ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ ጊዜ ኣብ ቦልሰና ሓደሩ። ትሑትን መንፈሳውን ካህን ምዃኖም ይንገረሎም ኮይኑ ግን ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ዝተቀደሰ ህብስትንን ወይንን ምእማን ይእግሞም ነበረ። ንጽባሒቱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅ.ክርስቲና ኣብ ቅዳሴ ምስ ኣተው ናይ ምልዋጥ ቃላት ክውድኡን ደም ካብቲ ዝተቀደሰ ህብስቲ ክዝዕግ ጀመረ። ኢዶም ክጽይቅን ኣብቲ መንጸፍ ክነጥብን ጀመረ። እቲኦም ካህን ኩሉ ድንግርግር በሎም። መጀሪያ ነቲ ደም ኪሓብእዎ ፈተኑ። ምዃን ምስ ኣበዮም ብኡ ንብኡ ናብታ ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ዝቅመጡላ ዝነበሩ ኣብ ጥቃ እቲ ዓዲ ዝነበረት ኦርቬቶ ትበሃል ከተማ ክወስድዎም ተማሕጸኑ። ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ናይቶም ካህን ታሪኽ ምስ ሰምዑ ፍትሓት ሃብዎም እሞ ብኡ ንብኡ ነቲ ጉዳይ ዘጽንዑ ልኡኻት ሰደዱ። ኩሉ ነገራት ምስ ተረጋገጸ ንናይቲ ሰበኻ ኣቡን ነቲ ቅዱስ ቍርባንን ነቲ ተነጺፉ ዝነበረ ብደም ዝተጸይቀ ጨርቅን ናብ ኦርቬቶ ከምጽኡ ኣዘዝዎም። ር.ሊ.ጳ ምስ ሊቃነ ጳጳሳትን ካርዲናትን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ተቀቢሎም ነቲ ብደም ዝተጸቀ መንጸፍ ጽዋዕ ኣብ ካተድራል ናይ ኦርቬቶ ኣቀመጥዎ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከአ ኣባኡ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ናይ ቅድስት ዡልየን ራእይን ግልጸትን ተደሚሩ ንመጀመርያ ግዜ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ብእንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ብደረጃ ዓለም ለኸ ኣብ ኦርቭየቶ ብር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ተገብረ።

ቅዱስት ዡልየን ግን ነዚ ኩሉ ክትገብር እንከላ ብቀሊሉ ኣይሓለፈቶን፤ ካብ ናይ ልየጂ ቤተ ክህነት ዓቢ ተቋውሞ ኣጋጢምዋ ኢዩ፤ ብኩሉ ኩሉ ም እማን ምስ ኣን ጥራይ ዘይኮነ ክጻብ እዋን ክቋወምዋን እውን ተረኺቦም ኢዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ናይታ ቅድስት፤ ናይ ልየጂ ሰበኻ ኣቡን ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ድሕሪ ቊሩብ ምጥርጣር ኣብ ሰበኻኦም በዓለ ጥቀ ቊርባን ዝ ኣወጁ፤

ቅዱስነቶም ነዚ ኩነት እዚ እንክገልጹ ንቅድስት ዡልየን ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ግዜ ዓበይቲ ቅዱሳን ከምዚ ዓይነት ተቋውሞ ከምዘጋጥሞም ገሊጾም። ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ሓደ ተገልጾ ወይ ኣስተንፍሶ ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ጸሎት ምጥሓል የድሊ፤ ብት ዕግሥቲ ምጽባይ የድሊ፤ ምስ ካልኦት ሕያዎት ዕርክነት ምምሃዝን ምጽ ጽንናዕ ምድላይን የድሊ፤ ንኩሉ ከኣ ኣብ ፍርዲ ጓሶት ቤተ ክርስትያን ምሕዳግ የድሊ’ እንክብሉ ሕይወት ቅዱሳን ብደገ ጥራሕ ዘይኮነ ብውሽጢ እውን ብርቱዕ ተጋድሎ ከምዘድልዮ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ግዜና እውን እንትኾነ ሽሕኳ ድኻምነት ዝር ኣየሉ ብዙሕ ኩነታት እንተሎ ብስግደት ቅዱስ ቊርባን ግን ማእለያ ዘይብሎም ውፉያት ኣለውና፤ ውዕውዕ ዘመነ ስግደት ቅዱስ ቊርባን በጺሕና ክንብል ንኽእል እንክብሉ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊኦም ለይትን መዓልትን ዝጽልዩ ኣኅዋትን ኣኅትን ጸሎት ክሳብ ክንደይ ከምዝሕግዘና ድሕሪ ምብራህ ሎሚ ነዛ ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ቊርባን ዝነበራ ቅድስት ዡልየን ክንዝክር ከሎና እምነት ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ነሐድስ፤ ምስቶም ለይትን መዓልትን ም እንቲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊኦም ዘስተንትኑን ዝጽልዩን ክንሓብር ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ፤ ኣብ ፓኪስታን ንዝግበር ስደት ክርስትያን ክውገድ ነታ ብጉልባል ስም እግዚአብሔር ብኸንቱ ጸዊዓ ብዝብል ክሲ ንሞት ተፈሪዳ ዘላ ኣስያ ቢቢን ቤተሰባን ብጸሎት ከምዝዝክርዋ ድሕሪ ምርግጋጽ ብሕይወት ናይ ምንባር ነጻነት ክወሃባ ተማሕጺኖም።

ኣብ መወዳ እታ ን ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙኃን ናይ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ንዝተወፈየ ብዓቢ ርቀት ናይ ዝተሰርሐ ዘመናዊ መቅርጽን መተሓላለፍን ተለቪዥን ናይ ቫቲካን ባሪኾም፤ ንምእመናንን ነጋድያንን ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.