2010-11-18 13:55:07

ሱዳን፦ ጻውዒት ሰላም


ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ተቫይትን ናይ መላእ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ቃል ኪዳን ኣመሓዳርን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ RealAudioMP3 ገኦፍ ቱኒክሊፈ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕትን ናይ ኣፍሪቃን ዓለምን ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ኣብ ሱዳን ዕለት 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዕለት 9 ጥሪ ኣብ ሱዳን ዝተበጽሔ ናይ ናይቫሻ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ዘመልክቶ መደብ ሕዝበ ውሳኔ፣ ደቡብ ሱዳን ናጻ ወይ ድማ ክፍሊ ሱዳን ኮይኑ ይትረፍ ዝብል ውጽኢት ብዘየገድስ ግልጽን ቅኑዕን ኮይኑ ክካይድ ብቐረባ ክከታተልዎ ዘተሓሳስብ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘቕረቡ ተመልኪቱ።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ዕለት 5 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ምእንቲ እቲ ዕለት 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሱዳን ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ሕዝበ ውሳኔ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክፍልፈጥ እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ውህደት ቤት ምኽርን ቃል ኪዳን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር ነቲ ሕዝበ ውሳኔ ብቐረባ ዝኸታተል ተዓዘቢ ልኡኽ ንኽኾኑ ናይቲ ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ነበር መጋቤ ሳሙኤል ኮቢያ ከምዝሓረዮም እንክምልከት፣ እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ቅድም ክብል ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሰበኻ ሩምቤክ ናይ ሱዳን መደብ ሕዝበ ውሳኔ ኣማእኪሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ነቲ ናይ ደቡብ ሱዳን መጻኢ ዕድል ኣብ 2011 ዓ.ም ወርሒ ጥሪ ዕለት 9 ዝካየድ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ ሰላማዊ ውጽኢት መታን ክህልዎ ንናይ ሱዳን ሰላምን ምትሕብባርን ዳግም ጻውዒት ከምዘቕረበን ክጽለን እውን ከምዘተሓሳሰበ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.