2010-11-16 14:32:54

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ኣብ ናይ ስፖርት ባህሊ ሥርዓትን ግብረ ገባዊ ክቡር ዋጋ ክኽበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ብናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒን ዝተመረሑ ናይ ኢጣሊያ ኣብ ጽፍሒ በረድ ናይ ዝግበር ዓይነት ስፖርት ኣሰልጠንትን RealAudioMP3 ናይዚ ዓይነት ስፖርት መምሃራን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና መሪሕ ቃል ቅድሚ ምቕራቦም፣ መንግሥቲ ኢጣሊያ ኣብ ዒራቕ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሶሪያ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብላቲን ሥርዓት ዕለት 1 ሕዳር ንዝውዕል በዓል ኵሎም ቅዱሳት ዋዜማ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ዒራቓውያን ካቶሊክ ማኅበረ ክርስትያን ንምድጋፍ ዘርኣዮ ጻዕርን ድልውነትን ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ዝወረዶም ኣብ ኢጣሊያ ኣባይቲ ሕክምናታት ተኣንጊዶም ግቡዕ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ዝተፈጸመ ግብረ ሰናይ ኣመስጊኖም፣ በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመን 10 ደቀ ንስትዮን 2 ካህናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 60 ንጹሓን ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ዝዝከር ኢዩ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ናይ ስፖርት ባህሊ ንዝተዋሃደ ሰብኣዊ ሕንጸት ዓቢ ግደ ከምዘለዎን፣ እዚ ሕንጸት’ዚ ድማ ብናይ ስፖርት ሥርዓትን ናይ ግብረ ገብ ክቡራን ዋጋታትን ዝተደገፈ ኮይኑ ክቐርብ እንከሎ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ስፖርታዊ ፍሉዩ ክእለት ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም። ስለዚህ ንክትስዕር ቢልካ ከምተጻዳርነት እትዋስኣሉ ቅድሚ ምዃኑ ብተምሳጥን ብሥነ ምግባር ዝተሰነየን ሰብኣውን ክርስትያናውን ሕንጸት ዝቕሰመሉ ባህላዊ መዳይ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ሰብነታውን መንፈሳውን ኣድማስ ብምውሃድ ዝተሳነየ ምሉዕ ዕብየት ዘረጋግጽ ባህሊ ሰብነትን ቅርጺ ሰብነትን ከም ጣዖት ኣብ ምምላኽ ንዝጓየ ዓለም ዝልውጥ፣ ሰናይ መጋበሪያ ምዃኑ ክንግንዘብን እዚ ናይ ስፖርት ባህሊ ክብሪ ድማ ኣብ ኩሉ ክሰርጽ እቶም ኣሰልጠንትን ናይ ሥነ ስፖርት ባህሊ መምሃራን ብጥልቂ ከረድእዎን ኣብነት ክኾኑን ሓደራ ቢሎም። ባህርያዊ ነገር ንምቁጽጻርን ከም ዝደለኻዮ ንምቕያር ተባሂሉ ብመዳይ ሥነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ዝተበጽሔ ምዕባለ ብምዝካር፣ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታን ተግባርን ዘኸትሎ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ድማ ፈጣሪ ንምትካእን ተፈጥሮ ብዓይኒ ፋይዳኣውነትን ሃልክነትን ንምጥቃም ዝብል ፈተና ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣረዲኦም፣ ካብዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ንምልቓቕ ተፈጥሮን ገዛእ ርእስናን እውን ህያብ እዚብሔርን ሥራሕ ፍቓድ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃና ተረዲእና ነቲ ሥራሕ እግዚኣብሔር ብኃላፍነትን ብኣኽብሮትን ከነመሓድሮ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.