2010-11-13 13:44:22

ኅሊና መንበር ኣምላኽ


ገዳማውያን ማኅበር ፓሲዮኒስቲ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሎንደን ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ወግዓዊ ሓዋርያዊ ብጻሕ እክንፍጽሙ ብፁዕና ዝኣወጅሉ ካርዲናል ብፁዕ ጆን ሄንሪ ኒውማን ሕይወት ዘማእከለ ዘዳለዎ RealAudioMP3 ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ መንጎ ካርዲናል ብፁዕ ኔውማንን እቲ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ንምርግጋጽ ዕላማ ኣብ መላእ ሕይወቱን ክህነታዊ ጸዋዕታኡን ዝነበሮ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኔውማን ካብ ኣንግሊክዊት ቤተ ርክስትያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምስ ተለወጡ ተቐቢሎም ዝመርሕዎን ኣብዚ ናይ ምልዋጥ ሕይወት ዘሰነይዎ ብፁዕ ዶመኒኮ ባርበርን ዘሎ ዓሚዩቕ ባህላውን መንፈሳውን ርክብን ምቅርራብን ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘነጽር ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ኣመልኪቶም ኣባ ፈርናንዶ ታኮነ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኔውማን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክልወጥ ብቐረባ ኮይኖም ዝመርሕዎ እቶም ኣብ 1963 ዓ.ም. ኣብ እዋን ከይዲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅእና ዝኣወጅሉ ባርበሪ ንናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዓቢይ ባህላውን መንፈሳውን ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ርክብ ማእከል ገይሩ እቲ ዘጠራጥርን ዘገራጭውን ብምውጋድ ሓቂ ኣብ ምድላይ ብእምነትን ምርምርን ዝግበር ጻዕሪ ብፁዕ ዶመኒኮ ባርበሪን ብፁዕ ኔውማንን ዘራኽብ ምዃኑን፣ እቲ ሓቂ ድማ ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኾነ ዘንጽር ናይ ክልቲኦም መንፈሳውን ባህላውን ርክብ ዘቃልሕ ዓወደ መጽናዕቲ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ብፁዕ ኔውማን ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ሠረተ ሓሳብ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ኅሊና ዝፍታሕ ዝብልን፣ ኅሊና እቲ ሕላዌ እግዚኣብሔር ጽን ዝበሃለሉን ኣብ ወዲ ሰብ ሕይወት መንበር እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፣ ናይ ኅሊና ሕንጸት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብልን፣ እምነትን ምርምርን ዝነጻጸርሉን ዝዛተይሉን ዝራኸብሉን ኅላዌ እዚኣብሔር ዝተነብረሉ ኅሊና ኢዩ ዝብል ምዃኑ ኣባ ታኮነ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.