2010-11-13 13:45:30

ማድሪድ፣ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


እቲ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት መሠረት፣ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2011 ዓ.ም. ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ ዝካይድ RealAudioMP3 መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሓዋርያት ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ኣብ ዝጻሕፎ መልእኽቱ ምዕራፍ ክልተ ፍቕዲ 7 “ኣብኡ ተሠሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብ እምነት ጽንዑ።” ብዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ተመሪሑ ኣብ ማድሪድ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዝወሰኑ እንክዝከር፣ ኣብቲ መደብ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ናብ ማድሪድ ንዝውሕዙ መንሰያት ንምእንጋድ ኣብ መንጎ ናይ ከባቢ ማድሪድ ፈደራላዊ ቤት ምኽርታት ናይ ሓባር ስምምዕ ከምእተበጽሔ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ 179 ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቍፍ ናይ ከባቢ ማድሪድ ፈደራላዊ ቤት ምኽርታት ነቶም ኣብ ማድሪድ ዝውሕዙ ተሳተፍቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንምእንጋድን ዘድሊ ደገፋት ንምቕራብ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣመልኪቶም ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ ኣብቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝቐርቡ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮታትን ዝፍጸሙ መንፈሳዊ መግለጽታትን ንዝቐርቡ መሥዋዕተ ቅዳሴን ባህላዊ መደባትን መሠረት ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.