2010-11-13 13:42:56

ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ “ቨርቡም ዶሚኒ - ቃል ጎይታ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝቲ ዝጠለብዎ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳታ ሲኖዶስ መበል 12 መደበይና ጉባኤ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 5 ጥቅምት ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ከምእተኻየደ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም RealAudioMP3 ኣብ ፍጻሜ እቲ ሲኖዶስ ዘጽደቖ ናይ ሓባር ሰነድ ተረኪቦም፣ ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚዩቕን መጽናዕትን ኣስተንትኖን “ቨርቡም ዶሚኒ - ቃል ጎይታ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስው ድኅረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ምዕዳን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ራቫዚን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኮየለትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዝሃብሉ መግለጽታት መሠረት ንንባብ ከምዝበቕዔ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣባ ሎምባርዲ ነቲ ቨርቡም ዶሚኒ-ቃል ጎይታ ብዝብል ኣእርስቲ ቅዱስ ኣቦና ዝደረሰዎ ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ዘቕርብዎ ሰሙናዊ ርእሰ ኣንቀጽ ቅድስቲ መንበር እንከመልክቱ፣ እቲ ቅድሚ 45 ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዘጽደቖም ውሳኔታት ሓደ ደይ ቨርቡም ቃል እግዚኣብሔር ዝብል ሰነድ ጠቒሶም፣ ድሕሪ ውሳኔ ደይ ቨርቡም ቃለ እግዚኣብሄር፣ ቨርቡም ዶሚኒ-ቃል ጎይታ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ዝደረስዎ ሐዋርያዊ ምዕዳን ስለምታይ ኣድለየ? ልክዕ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕረቦም ውሳኔታት ኣብ ቤተ ክርስትያን መሠረታዊ ተራ ኣለዎ፣ ብፍላይ ድማ ደይ ቨርቡም ብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቃውንቲ ሰፊሕ መጽናዕትን ትንተናን ዝሃብሉን ከምቲ ብፁዕ ኣቡነ ራቫዚ ዝበለዎ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ልማድ ወይ ድማ እናተዘንግዔ ኣእምሮ ብዘይጽንብር ኣመክንዮ ዘይብሉ መንፈሳውነትን ወይ ድማ መንፈሳውነት ኣልቦ ብዝኾነ ደረቕ ሥነ ምርምር ክቕረብ ይርኤ። ብኻልእ መዳይ ድማ ካርዲናል ኮየለት ኣብ እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝርኤ ክስራን ንምትኽካል ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ርክስትያንን ማእከልነቱ ዳግም ምሕዳስን ምትሕስሳብ የድሊ። ስለዚህ ቅዱስ መጽሓፍ ቅድም ቀዳድም ናይ እምነት መጽሓፍ ኢዩ፣ ካብ እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝተወልደ ብምዃኑ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ እምነት ዝንበር ትጽቢታት መሠረት ጥራሕ ኢዩ ክትርድኦ እትኽእል። ስለዚህ እዚ እምነት’ዚ ወትሩ ክሕነጽን ብቕዱሳት ምስጢራት ድማ ክምገብ ኣለዎ።

ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ዓሚዩቕን ሰፊሕን ብምዃኑ ብዙሓት ምሁራትን ኣንበብትን ናብቲ ሃብታምን ጥልቂ ዝኾነ ትሕዝቶታቱ ጥራሕ ከተኵሩ ክስሕብ ይኽእል፣ ስለዚህ ምስቲ ኅያው ቃል ኣምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኻብ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ሥነ ምርምር ብዘቕርቦ ኣገባብን ብዓይኒ እምነትን ተሰንዩ ክንበብን፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕለታዊ ሕይወታን ተልእኾኣን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ምእመናንን ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሠረት ምስ እግዚኣብሔር መታን ክራኸብ ንምድጋፍ ኣብ እተቕርቦ ኣገልግሎት፣ ቃሉ ምስማዕን ምንባርን ምንባብን ነቲ ቓል ኣብ ምግልጋል ክትጽመድ ዝመርሕን ኢዩ ኢሎም። ነቲ ናይ ካልእላይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ደይ ቨርቡም-ቃል ኣምላኽ ዝትንትንን ዘረድእን ዘብራህርህን ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ብኸመይ ይንበርን ይግለጽን ዘነጽር ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.