2010-11-09 15:20:49

ኵላዊት ቤት ክርስትያን፣ ምእንቲ ብዘደንዝዙ ዕጸዋት ዝተለኽፉ ምጽላይ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናቶምን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወረሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ እቶም ብዝተፈላለዩ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ዝተጠቕዑን ናይ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ጽግዕተይና ኮይኖም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር። ቅዱስነቶም ነዚ ወርሒ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን RealAudioMP3 ዝሃብዎ ውሳኔ ኣመልኪቶም መላእ ሕይወቶም ካልኦት ብምእንግዳን ግቡእ ሰብኣውን ንዋታውን ክንክን ኣብ ምቕራብ ዕላማ ዝተዋፈሩ ነቶም ዕለት 2 ሕዳር 2007 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ዶን ኦሬስተ በንዚ ዝመሥረተዎን ዝመርሕዎን ዝነበሩ ማኅበርሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ሊቀ መንበር ፕሮፈሶር ፓውሎ ራይሞንዳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ጽግዕተይናን ግዙእ ናይ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ኰይንካ ምንባር ዓቢ ሰብኣውን ማኅበራውን ንዋታውን ዕንወት ኢዩ። እዚ ሽግር እዚ ብፍላይ ኣብቶም ዓቢይ ናይ ህላውነት ጉድለት ዘጋጥሞም ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝርኤን ዝሰፍሕ ማኅብራውን ሰብኣውን ሽግር ምዃኑ ገሊጾም፣ ነፍሰ ኄር ኣባ ኦረስተ ቤንዚ መንሰያት ካብዚ ሽግር ንኽላቐቑን ካልኦት ድማ ናይዚ ሽግር’ዚ ግዳይ ከይኮኑን ማኅበርሰብ ዮሓንስ መበል 23 ብምቛም ዝተመልኤ ክርስትያናውን ሰብኣውን ሕንጸት ብምቕራብ ንመሰያት ብምሕብሓብ ወላድን ውላድን ክራኸቡን ክመያየጡን ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጡ ብምሕናጽ ንብዙሓት ካብቲ ናይ ኅላውነት ሽግር ብኃይሊ እግዚኣብሔር ንኽላቐቝ ገይሮም ኢዩም። እቲ ብኣኦም ዝተበገሰ ቅዱስ ዕላማ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ግዳይን ጽግዕተይናን ክፍሊ ኅብረተሰብ ክጽለ ንመላእ ቤተ ርክስትያን ከተሓሳስቡ ብሓቂ ደስ ዘብል ኢዩ።

ነቶም ብዘደንዝዙ ዕጽዋት ዝተጠቕዑ ምጽላይን መንፈሳውን ሰብኣውን ሰነ ኣእምሮኣውን ማኅበራውን ንዋታውን ድጋፍ ብምቕራብ ካብቲ ዝወደቕዎ ጸልማት ንምእላይ ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ናይ ምቕራብ መደብ ክተባብባዕ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ምውዓል ናይ ኵሉ ሓላፍነት ኢዩ፣ መንግሥታት እውን ኣብዚ መዳይ ናይ ምውሳእ ዓቢ ሓላፊነት ኣለዎም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.