2010-11-09 15:25:22

ቡልጋሪያ፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣቢያ ክርስትያን


ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቍፍ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድጋፍ መሠረት ኣብ ቡልጋርያ ርእሰ ከተማ ሶፊያ መበል 13 ናይ ኤውሮጳ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ RealAudioMP3 ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተፍወጸመ እንክሕበር፣ እዚ ቤተ ክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብ ናይ ሎሚ ምሥራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዘራኽብ ጉባኤ ዝጸንሔ ልምዲ ምዃኑን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብትሕቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሓልዮትን ተገዳስነትን ተመሪሑ ክካየድ ከምዝጀመረን፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን ዝብል ቃልን ብተወሳኺ ፍሉይ ቤተ ክርስትያን ዝብል ቃል ብዝተፈላለየ ትርጉምን መልክዕን ይጥቀመሉ፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብ ናይ ሎሚ ምሥራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ንምዝታይ ከምዝደረኸ ኣረዲኦም። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዘን ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ፍሉይ መለለይኤን ሊጡርጊያዊ ሥርዓትን ሥነ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያን መምርሕን መሠረት ፍሉይ ቤተ ክርስትያን ዝብል መጸውዒ ከምዝሃበንን፣ ቀጺሉ እውን ሉኣላዊ ሕጊ ዘለወን ኣቢያተ ክርስትያን ዝብል ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ቀኖና ዝጥቀመሉ መግለጺ መሠረት ኣብ/ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን፣ ኣቢያተ ክርስትያን ዘለወን ኅብረትን ውህደት ዘንጸባርቕን እቲ ኣብተን ምሥራቓውያን ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ቤተክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኸመይ ይንበር ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተመያየጠን ከምኡ ድማ ኣብ ቡልጋርያ ዝተወልደ ሥርዓት ቢዛንታይን ስላቭ ሊጡርጊያዊ ሥርዓትን ናይ ቡልጋርያ ቤተ ክርስትያን ምስ ሮማ ዝሓበረትሉን መበል 150 ዓመት ከምዝበዓለ እንከመልክቱ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ እውን ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.