2010-11-09 15:26:14

ሱዳን፦ ጻውዒት ሰላም


ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍሉይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ሰበኻ ሩምቤክ ትማሊ ከምዝኸፈተ እንክንገር፣ እዚ ፍሊዩ ሓፈሻዊ ርክብ ነቲ ናይ ደቡብ ሱዳን መጻኢ ዕድል ኣብ 2011 ዓ.ም ወርሒ RealAudioMP3 ጥሪ ዕለት 9 ዝካየድ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ ከረጋግጾ ዝብል ናይ ሰላም ስምምዕ ዝጠለቦ ረቛሒ ምኽንያት ዝተጸውዔ ጉባኤ ምዃኑ እንክፍለጥ፣ ኣብዚ ጉባኤ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ከምኡ ድማ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ልኡካን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ነቲ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ሕዝባዊ ውሳኔ ሰላማዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ማኅበር ኮምቦኒ ተቛም ብናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐንጎ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን ንናይ ሱዳን ሰላምን ምትሕብባርን ዳግም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብቲ መኽፈቲ ጉባኤ ናይ ሩምበክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ኣብ ሱዳን ናይ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ከባቢ ኣመሓዳሪ ቾል ቶንግ ማያይ ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ዋው ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩዶልፎ ደንግ ማጃክ ዘረባ ከምዘስምዑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.