2010-11-09 15:19:28

መበል 18 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅ.ኣ.፣ ጸብጻባቱን ምስክርነትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 6 ን 7 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ቤት መቕደስ ቅድስቲ ስድራ ቤትን ባርቸሎናን ዘካየድዎ ናይ ስፐይን ናይ ክልተ መዓልቲ መበል 18 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣመልኪቶም ንቕድስነቶም ኣብዚ ናይ ስፐይን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብቐረበ ዝተኸታተሉ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ልዊዝ ማርቲነዝ ሲስታች ጸብጻባቱን ምስክርነትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ናይ ስፐይን ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ስፐይን ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ንስፐይንን ሕዝባን ዘለዎም ቅርበትን ፍቕርን ዝገልጽ ከምዝኾነን፣ ኣብ ስፐይን ዝተገንረሎም ኣቀባብላ ምዉቕን ውዕዉዕ ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ኣብታ ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ሥድራ ቤት ተረኺቦም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮን ስብከትን ሰማያዊት ቅድስቲ ኢየሩሳሌም ዝተስተማቐረሉ ቅዱስ ኵነት ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣዚዩ ልቦም ዝተንከፎም፣ ክፉት ልብን ኣእምሮን ቅዱስ ኣቦናን መልእኽቶም ንዅሉ ዝማርኽን መሠረታዊ ናይ ኅልውና ሕቶ ዘቕርብ ዓሚዩቕን ኣስተውዕሎ ዝተመልኦን ንሊቃውንትን ንምሁራትን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሉ ብዝርድኦ መልክዕ ንኽዛረብ ዝኸተልዎ ስልትን መልእኽቱን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምሁራን ሊቃውንትን ምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ እተቕርቦ መልእኽቲ ንዅሉ ከከም ደረጃ ብስለቱን ፍልጠቱን ሊቕነቱን ክበጽሕ ምግባር ዓቢይ ክእለትን ጸጋን ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ንቅዱስ ኣቦና ናብ ኵሉ ቐረባን ብዅሉ ፍትዉን ቅቡልን ዝገብሮም ኢዩ ኢሎም።

ገለ ገለ ውሑዳት ሰባት ንናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘይድግፉ ዘርኣይዎ ምንቅስቓስ ቅዱስነቶም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕያዋይ ጓሳ ንቤተ ክርስትያን ክበጽሑ ዝመጹ ከምዝኾኑ ብኹለ መዳይ ዘርድእ ብቕዓት መሠረት ከምዝፈሸለን ብኣሻሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ስፐይን መንእሰያትን ሕጻናትን ሥድራ ቤትን ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ዘርኣዮ ኣቀባብላ ዝመስከሮ ኢዩ ኢሎም። ብፍላይ መንእሰያት ኣብቲ ትርጉም ናይ ሕይወት፣ ሓቅን ብሩህ ናይ መጻኢ ሕይወት ኣብ ምንዳይ ዝገብርዎ ጻዕሪ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጎይታና እየሱስ ክርቶስ ብምትንታን መልሲ ሕቶኦም መን ምዃኑ ዝሕብሩን መንሰያት ነቲ ሓቅን ሕይወትን ንኸለለዩ ዝድግፎምን ዝመርሖምን ዝኽተሉ ብምዃኖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ቃልን መልእኽትን ንምስማዕን ምሳኦም ንምርኻብ ዘርእይዎ ንቕሓት ዝምስክሮ ኢዩ። ኣብ ቅዱስናኦም ዝንጸባረቕ ቅንዕናን ሓቀይናነትን ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ምዕዳን ብቐሊሉ ንመእሰይ ወለዶ ዝማርኽን ዝሓንጽን እንታይነት ብሩህ መጻኢ ሕይወትን ኣበይ ከምዝርከብን ዝሕብር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ማኅተምን ጉዳይ ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም፣ ሓዋርያዊ ተልእኮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵሉ መዳይ ማእከልነት እግዚኣብሔር ክረጋገጽን ጐሊሒ ክርኤን ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕን ምሳኡ ንምርኻብ ዝድግፍን ፍጻሜ ጉዕዞ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን ኣብ እግዚኣብሔር ምዃኑን ዝምስክር ቅዱስነቶም ካብ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮታትን ጽሑፋቶም ምኽርታቶምን ንምርድእ ዝከኣል ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ፍጥረት ሰብ ቅልውላው እግዚኣብሔር ምዃኑን እዚ ማለት ድማ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ዝሃቦ ምሉእ ነጻነት ዘነጽርን ንእግዚኣብሔርን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ምዃን ዘሎ ደረት ሰገር ባህርይ ዝርአ ዘይምግዳስ ዝድህስስን ስለዚህ ወዲ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ መሠረታዊ ርክብ ንምዝኽኻር ዝኣመተ መገሻ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ነቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ዝዝንግዕ ዓለም ዘበራብርን እንታይነት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝገልጽን ሓቅን እውነተይና ውበት ኣበይን መንን ምዃኑን ኣብ እምነትን ምርምርን ኣብ እምነትን ሥነ ጥበብን ሊጡርጊያን ዘሎ ርክብ ሓቅን እውነተይና ጽባቔ ብዕምቆት ዘነጸረ ሓዋርያው መገሻ ኢዩ ኔሩ ኢሎም። ሓቅን ነጻነትን ዘይፈላለዩ ተጣሚሮም ዝኸዱ ምዃኖም እቲ ቤተ ክርስትያን እተበሥሮ ሓቂ ንምሉኣዊ ዕብየት ሰብ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓቀይና ነጻነቱ ክዓብን ኣብዚ ዓይነት ዕብየት ዘሎ ጽባቔ ዘረድእን እቲ እውነተይና ጽባቔ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ርክብ ከምዝኾነ ዘነጸረ መንፈሳዊ ንገደት ኢዩ ኔሩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.