2010-11-08 16:27:22

፭ ዘጽጌ 2003 ዓ.ም. ( ፯ ታሕሣሥ 2010)


መዝሙር፡ ጸገየ ወይን ወፈርየ ሮምን. . . . . ።

ንባባት፡ ኤፌ 1፡3~12 ዘፍጥ 3፡9~20፤ ግ.ሓ. 11፡12~15፤ ሉቃስ 1፡26~38

ስብከት፡ ዓጸደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፡ ሰደድከ አሕዛብ ወተከልከ ክያሃ ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።

ጽንሰታ ለማርያም : አብ ዋዜማ ናይ ጽንሰታ ለማርያም “ ለልየ በእዴየ ለሐኩዋ ለድንግል እንተ እምኔሃ ተስባእኩ ይቤ እግዚአብሔር መንበሩ ዘኪሩቤል ዘኢዮር ማኅድሩ ዘይትነገር ቃል ኀደረ ኃዕሌሃ”። መንበሩ አብ ኪሩቤል ማኅደሩ አብ ኢየር ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕለይ ብኢደይ ንድንግል ፈጠርክዋ፤ ክንገር ዘይክአል ቃል አብአ ሓደረ፤ እናበለ ሕርየት ማርያም ካብ መጀመርያ ብእግዚአብሔር ከም ዝኾነንን ኩሉ ናታ ዘበለ ምስቲ ዝወለደቶ ክርስቶስ ተተሓሒዙ ከምዝኸይድ ይነግረና። ኩሉ እምነትና አብ ማርያም ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርእዮ አይክአልን እዩ፥ ኩሉ ናታ ዘበለ ምስ ወዳ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ብዓለ ጽንሰታ ለማርያም ብናይ ሃገርና ስርዓት አብ 6 ነሓሰ ይዝከር፥ ሎሚ አብ ወርኂ ጥቅምቲ አብ ዘመነ ጽጌ ክንዝክሮ ከሎና ንፍሉይ አስተንትኖ መታን ክጥዕመና እዩ። አምላኽ ምስራቕ ምዕራብ ሰመን ደቡብ ጠመተ ግን ከማኺ ክረክብ አይከአልን ዝብል ቅዳሴ ማርያም ናይ ብሓቂ ፍልይቲ ፍጥረት ካብ ዘለዓለም አብ ሓሳብ አምላኽ ዝነበረት። አደ ወዱ ክትከውን ካብ ዘለዓለም እዩ መረጽዋ ስለዚ አብአ ሓጠአት ክርከብ አይክአልን እዩ። አምላኽ አብ ዘልኦ ሓጢአት ክህሉ አይክአልን እዩ።

አብ ወንጌል ሉቃስ ተምስሪትና “ሰላም ንአኺ ኦ ማርያም ጸጋ ዝመልአኪ እግዚአብሔር ምስኺ እዩ እንካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ናይ ከርስኺ ፍረ ኸአ ዝተባረኸ እዩ” እናበልና አብ ጸሎታትና አብ ኩሉ ክብሪ ማርያም እና ገለጽና ልመናና ብአኣ ነቕርብ። አብ ታሪኽ ክርስትናና አብ ኩሉ ነዚ ጸሎት ንድግሞ አብ ውዳሴ ማርያም አብ ቅዳሴና አብ ናይ ፍልሰታ ምህልላና አብ ሰዓታት አብ ብዙሕ ንደግሞ ምኽንያቱ ኸአ ማርያም ብአምላኽ ዝተሓርየት አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት በቲ መልአኽ ዝደረሶ ጸሎት ንልምና። “ኦድንግል ጸጋ ዝመልአኪ ብምንታይን ምስ እንታይ ከምስልኪ” እንበለ ጎስዓ ቅዳሴ ናይ ማርያም ብሉጽነት ይገልጽ። “ኦ ማርያም ድንግል ንስኺ ብናይ ሣጋ ርሥሓት ዘይተጸነስኪ እንታይ ድአ ብንጹህ ርክብ ያቄምን ሓናን ዝተወልድኪ” ዝብል ናይ ማርያም ጽንሰት ካብ ጥንት ክርስትና ርዱእ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ብ 8 ታሕሣሥ 1854 ፕዮስ ፱ ካብ አቡናትን ምእመናን ዝቐረቦም ሓሳብ ብምስማዕን “ማርያም ካብ መጀምርያ ጽንሰታ ብዘይ ሓጢአት ተጸኒሳ” ዝብል ዓምዲ እምነትና ከምዝኾነ ብዕሊ አዊጆም። ንሳ አደ አምላኽ ስለ ዝኾነተ አምላኽ ብናቱ መገዲ ካብ ሓጢአት ነጻ ከም እትኸውን ገርዋ። ስለምንታይ ድሒራ ቤተክርስትያን ነዚ አዊጃ ንዝብል ሕቶ ፕዮስ ፱ ከም ዝብልዎ መጀምርያ ካብ ጥንቲ እምነት ቤተክርስትያን እዩ ነሩ ከምኡ አብ ማርያም ዘሎና ፍቕሪ ክንገልጽ እዩ ይብሉ። ቅድሚ ምእዋጁ መንበረ ጴጥሮስ ንዘመናት ርኢቶ አቡናትን ምእመናን ነዚ ብዝምልከት ትሓትት ነራ ብኹሉ ቅቡል ምዃኑ ዝገልጽ መልሲ ምስ መጸን ምቹእ ግዚኡ ምስ በጽሔ ተአዊጁ ከምቲ ንስጥሮስ ዝተበህለ ናይ ማርያም አደነት አምላኽ ምስ ከሓደ ቤተክርስትያን ብአዋጅ አደ አምላኽ ዝበለታ ሎሚ ኸአ ነዚ እያ እትደግም ዘላ። ቤተክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ንእምነትና ዝርኢ ክትነግረና ስላጣና እዩ። ጽንሰታ ብዕሊ ክዝከር ዝጀመረ አብ 6~7 ክፍለዘመን አብ ምስራቕ እዩ ቀጺሉ አብ ኤሮጳ ብናፖሊ አቢሉ ተአታትዩ። ቅ. አንሰልሞ ዝተባህለ እቲ ዘርኢ ሓጢአት ክሕዝ አይክእልን እዩ አእምሮ (will) ጥራሕ ምኽንያት ንሓጢአት ክኸውን ይኽእል። መንፈስ ቅዱስ ካብ መጀምርያ ጽንሰት ማርያም ነሩ። መንፈስ ቅዱስ አብ ዘለዎ ሓጢአት የለን አብኡ ካብ ሓጢአት ነጻነት አሎ።

አብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ከም ብዓል ቅዱስ አጎስጢኖስ፥ ቅ.ቶማስ ብዓል አኲኖ፥ ቅ. በርናርዶስ . . . . ናይ ማርያም ጽንሰት ክቕበልዎ አይርከቡን፥ ብኽልተ ምኽንያት 1. ማርያም ብዘይሓጢአት ደወሊዳ እንተ ኾነት ነቲ ክርስቶስ ንኹሎም ደቂ ሰብ መድሓኒ እዩ ዝብል ይጻረር። 2. ናይ አሪስቶታል ትምሕርቲ ነፍሲ ድሕሪ ክልተ ሶምን ናይ ድቂ እያ አብ ሕይወት ወድሰብ እትጅምር ዝብል ትምህርቲ ይቕበሉ ስለ ዝነበሩ። ከም ርድኢት ቀዳሞት አበው ናይ ማርያም ካብ ሓጢአት አዳም ነጻ ምዃን ድሕሪ (animation) ድቂ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።

ነዚ ንምግልጽ ዝተፈላለየ ተሎጋዊ ትምህርቲ ተዋሂቡ ሓደ ካብቲ ቅቡል ትምህርቲ ብዛዕባ ጸጋ ድሕነት ክንሓስብ ከሎና ክልተ ነገር ክንርኢ አሎና፥ ተኸላኻሊ ጸጋን (prevenient grace)፤ዝሕድስ ጸጋን (restorative grace). ክልቲኦም ካብ ፍረ ጸጋ ድሕነት ክርስቶስ እዮም። ንማርያም ብዝርኢ ማርያም ብተኸላኻሊ ጸጋ ማለት አቐዲሙ ዝውሃብ ጸጋ ካብ ሓጢአት ነጻ ክትከውን ዝገብራ ብፍሉይን ዘደንቕን ድሒና፥ ካብ ሓጢአት ነጻ ኮይና ዘይኮነ አብ ሓጢአት ከም ዘይትአቱ ኮይና፥ ተዓቂባ። ንሓደ አብ ሓጢአት ወዲቑ ካብ ምንጽሑ አብ ሓጢአት ከም ዘይወድቕ ምግባሩ ይበልጽ። እምብአር ክርስቶስ ንብዙሓት ነፍሳት ጸጋን ክብርን ሂቡ እንተኾይኑ፥ እሞ ክርስቶስ ናይ እዚ ኹሉ መንጎኛ እንተኾይኑ ከመይ ገሩ ንማርያም ካብ ሓጢአት ካብ መጀምርያ ነጻ ምግባራ የጸግሞ፥ ስለዚ ናይ ማርያም ካብ ሓጢአት ነጻ ምዃን ነቲ ንሳ እትጻወቶ ተራ ከም ቅድመ ኩነት ክርአ አልኦ። ክርስቶስ ፍጹም መንጎኛን ፍጹም መድሓንን እዩ ስለዚ ነዲኡ ካብ ዝኾነ ሓጢአት ነጻ ክገብራ እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ። እዚ ርድኢት እዚ አብቲ ቀንዲ ርድኢት ማለት ናይ ማርያም ነፍሲ ካብቲ መጀምርያ ካልኢት ምፍጣራን ካብቲ መጀመርያ ካልኢት ምስ ሥጋ ምሕዋሳን ብፍሉይ ጸጋን ግንዖት አምላኽን፥ ብመንጽር ናይ ክርስቶስ ጸጋ ብምርአይን ካብ ኩሉ ሳዕቤናት ናይ አቦና አዳም ሓጢአት ነጻ ኮይና ዝብል መደምደምታ አብጺሑ። ነዚ መሰረት ገርና ማርያም ካብ ዝኾነ ሓጢአት ማለት ሓጢአት ከግብራ ዘኽእል ነገር ነጻ ኮይና። መልአኽ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ (ሉቃ 1፡42) ክብላ እንከሎ መሰረት ናይ ኩሉ ኩነታ እዩ ማለት ሕይወታ ኩሉ ተግባራታ ካብ ውድቀት ሓጢአት ነጻ እዩ። ናይ ማርያም እንታይነት መሰረት ናይ ኩሉ ተግባራታ እዩ ናታ እንታይነት ከአ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት ምዃንን ምልእተ ጸጋ ምኻንን እዩ። እዚ ሓፈሻዊ ርድኢት ክኸውን እንከሎ አብ ገለ አገላልጻ ናይ አበው ፍልይ ይብል ንአብነት ቅ. ዮሓንስ አፈወርቅ ማርያም ዝኾነ ሓጢአት አይገበረትን ብወዳ ተማሂራ ስለዚ አብ እምነታ በብግዚኡ ዓብያ ይብል። ቅ. ቄርሎስ ብዓል እስክንድርያ ማርያም አብ ትሕቲ መስቀል እንከላ ጥርጣሬን ተስፋ ቁርጸትን ነርዋ ዝብል ርድኢት ነርዎ፥ እዚኦምን ካልኦትን ዝበልዎ ግን ናይ እታ ሓዋርያዊት ቤተክርስትያን ርድኢት አይኮነን ግላዊ ናታቶም መግለጺ እዩ።

አብ ሉቃስ 2፡48~49 ዘሎ ማርያም ንኢየሱስ ስለ ምንታይ ንአይን ነቦኻ አሻቒልካና ምስ በለቶ ስለ ምንታይ ትደልዩኒ ክብላ እንከሎ ዝተቛየቛን ንሳኸአ ጠፊኡና ኢላ እምነት ዘጉደለት ይመስል እንተኾነ ማርያም ስለ ምንታይ ከምዚ ገብርካና ክትብል እንከላ ናታ ስምዒት ከም ወላዲት ዝበለቶ እምበር ናይ ምቝያቕ መንፈስ ዘልኦ አይኮነን ከምኡ አብ እምነታ ጥርጥር አሕዲራ ዝበለቶ አይኮነን። ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ብምስማዕ ክልቲኡ ናይ ማርያም ዕብየትን ቅድስናን ይገልጽ። ንሳ ብዘይ ሓጢአት አዳም ተጸኒሳ፤ንሳ አብ ሕይወታ ዝዓበየ ትሕትናን ትዕግስትን አብ ዕለታዊ ሕይወታ አርእያ (ሉቃስ 1፡38’48)። ንሳ አብ ጽንኩር እዋን ጅግንነት ዝመልኦ ትዕግስቲ አርእያ(2፡35’ ዮሓ 19፡25~27)። ቀጻሊ ትውፊታት ቤተክርስትያን ንማርያም ቅድስትን ነጻ ካብ ኩሉ ሓጢአትን ካብ ኩሉ ሞራላዊ ድኽመት ነጻ ከምዝኾነት ይነግሩና።

ማርያም ካብ ሓጢአት አዳምን ካብ ባዕላ እትገብሮ ሓጢአትን ጥራሕ አይኮነትን ነጻ ኮይና እንታይድአ ካብ ኩሉ ዝንባሌ ወይ ሃረርታ (concupiscence) ሓጢአት እውን ነጻ ኾይና። ፍትወት ዝንባሌ (Concupiscence) ክብሃል እንከሎ ሰለስተ ዓይነት እዩ; 1. ባርነት ንአካላዊ ስምዒትና ወይ ሕዋሳትና፤ 2. ዘይስሩዕ ሃረርታ ንምድራዊ ነገራት 3. አእምሮ ንዝህቦ ነጺግካ ብናይ ግላዊ ስምዒት ውሳኔ ገርካ ምምራሕ። (1ዮሓ. 2፡16)። ማርያም ካብዚ ባህርያት ናይ አቦና አዳም ሓጢአት ነጻ ኮይና እያ ተፈጢራ። ማርያም እምብአር ካብ ዝኾነ ዝንባሌ፤ ሃረርታ ሓጢአት ነጻ ዝኾነት እያ።

ንሕና ካብ አቦና አዳም ኃጢአት ወሪስና ናይ ኩሉ ዝንባሌታትና ድኽመታትና ሳዕበኑ ተቐቢልና ኢና። መንፈስና ሕልናና ደኺሙ አእምሮና ጸልሚቱ፤ ድለታትና ካብ መስመሩ ወጺኡ፤ ነዚ ሒዝና ንውለድ ማርያም ግን ካብዚ ነጻ ኮይና ተወሊዳ። ብዘይ ኢየሱስን ማርያምን ኩልና ብሓጢአት ተበኪልና ንውለድ።

አብ ሓጢአት ተአሊኹ ዝውለደ ሰብ ነጻ ክኸውን አብ ክርስቶስ ብምእማንን ብጸጋ ጥምቀት አቢሉ ሓራ ኽኸውን ይኽእል። ገለ ሰባት እውን አምላኽ ብናቱ መገዲ ክድሕኖም ይኽእል እዩ ምኽንያቱ አብ ክእለቱ ክቕየድ አይክእልን እዩ ንሱ ብናቱ መገዲ ከድሕን ይኽእል እዩ እንተኾነ እቲ ዝቐለለን ዝበለጸን ብመገዲ ክርስቶስ ክንረኽቦ ከሎና እዩ።

ንሕና ብጥምቀት አብ ማሕበር ክርስቶስ ዝአቶና ካብ ሓጢአት ነጻ ዘውጽእ መጋበሪ ድሕነት አሎና ምስጢረ ጥምቀት ናይ አቦና ሓጢአት አጥፊኡ ውሉድ አምላኽን አባላት ማሕበር ክርስቶስን ሓባራዊ ክህነት ከም እንቕበል ይገብረና። ምስጢረ ንስሓ ኸአ ድሕሪ ጥምቀት ዝገበርናዮ ሓጢአት የጥፍአልና ኩሉ ጊዜ አብ ዝወዳቕናሉ ጊዜ ክንሕደስ ክንሳሕ እዚ ምስጢር አሎና። ምስጢረ ንስሓ ዘዘውትር ሰብ አብ መገዲ አምላኽ አሎ። ምስ አምላኽ እንተዓረቐሉ መገዲ ንስሓ ብምዝውታር እዩ። ኦ አቦይ አብ ቅድመኻን አብ ቅድሚ ሰማይን በዲለ እየ እሞ ተዓረቐኒ ክብንል ይግብአና። ዝተነስሕ ልቢ ጸጋ ይቕበል።

ማርያም አደ ሓጥአን ተባሂላ ትጽዋዕ ምኽንያቱ ምስ ወዳ ክትዓርቆም ስለ እትኽእል። ንጽንሰታ ማርያም ክንዝክር ከሎና ንሳ ዝረኸበቶ ጸጋ ክብሪ ዓለት ደቅ ሰብ ስለዝኾነ ክብርና እዩ። አምላኽ ንውዱቕ ሰብ ርክብ ብአአ ገሩ አብቲ ንቡር መገዱ መሊስዎ። ንምርያም ካብ ኩሉ ዘጉህያ ሰባት ካብ ወዳን ጸግኡን ርሒቖም ክነብሩ ከለዉ እዩ። ሕይወቶም ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ ሓጢአት መሊኽዎም አብ ጸልማት ክነብሩ ከለዉ እዩ። አብታ ንጽሕተ እምንጹሓን ክንምለስ ከምዚ ዝስዕብ ንግበር፡


እምብአር ሎሚ ናብታ ንጽሕተ ንፉሓን ቀሪብና ካብ ሓጢአትና ክንምለስ ለምንልና ምስ ወድኺ ዕተቕና ንበላ። ጸሎታን ረድኤታን አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.