2010-11-06 13:07:55

ጀነቭ፣ ቤተ ክርስትያንን ሃይማኖት ምስልምናን


ሃይማኖት ጠንቂ ግርጭት ኣይኮነን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ፣ ብዙሕ ጊዜ ልክዕ ከምቲ ኢፍትሃዊ ምሕደራ ሃብቲ ተፈጥሮን ጭቆናን ወረራን ፍልልይ ቋንቋታትን ባህልታትን ምኽንያት ግርጭትን ውጥረትን RealAudioMP3 ዝኾኑ፣ ሃይማኖት እውን ካብቶም ጠንቅታት ሓደ ኮይኑ ዝግለጽን ዝረኣይን ከምዝኾነን፣ ሃይማኖት ጠንቂ ግርጭት ክኸውን እንከሎ ጸረ ሃይማኖት ከምዝኸውን ንምርዳእን ሃይማኖት ፈጺሙ ናይ ግርጭትን ውጥረትን ጠንቂ ክኸውን ከምዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ግጭትን ውጥረትን ጸረ ሃይማኖት ምዃኑ ናይ ሓባር ርድኢት ክሰፍሕን ናይ ኵለን ሃይማኖታት ዕላማ ክኸውን ከምዘለዎ ትማሊ ናይቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምእመናን ክርስትናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ቤት ምኽሪ ኣብ ጀነቭ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ሓባር ዘተ ፍጻሜ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ መሠረት ኣብ ዝተወሃበ ጋጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እዚ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርትስያን ቤት ምኽሪ ዘነቓቐሖ መበል 64 ናይ ሓባር ርክብ፣ እስላምን ክርስትያንን ዘእትው ግርጭትን ውጥረትን ዘስዕቦ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ዝነቀሳቐስ ናይ ሓባር ናይ ዕዮ ድርገት ክቐውም ከምእተሰማዓሉ ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ብምምልካት፣ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መሠረት እምነተን እግኣብሔርን ብጻይካን ኣፍቅር ዝብል ወርቃዊ መምርሒ ምዃኑን፣ እዚ ናይ ሓባር መሠረት፣ መሠረት ማኅበራዊ ሰላም ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ናይ ጀነቭ ጉባኤ ከምዘስመረሉ እቲ ዝቐረበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.