2010-11-06 13:04:21

ርእሰ ዓንቀጽ ቅድስቲ መንበር፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሕዝብን ዝሥዋዕ ፍቕርን


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማኅተም ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ሎሚ ዕለት 06 ሕዳር 2010 ኣብ ስፐይን ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላን ባርቸሎናን ዝጅምርዎ መበል 18 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ RealAudioMP3 ቅድስቲ መንበር፣ እንከመልክቱ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 7 ሕዳር 2010 ዝፍጸም ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ብዙሕ ሠናይ ነገር ክበሃል ከምዝከኣል ሓቢሮም፣ ሳንቲያጎ እቲ ንብዙሓት መንፈሳዊ ነጋድያን ሸቶ ዝኾነ ቅዱስ ሥፍራን ትሕትናን እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ትርጉም ሕይወት ናይ ምንዳይ ባህርይ ዝምስክር ምዃኑን፣ እዚ ማለት ድማ ሕዝቢ ብሓባር ወይ ድማ ብውልቂ ናይ ዕለታዊ ናብራኡ ተመኵሮ ተሓንጊጡ ምስ ገዛእ ርእሱን ብጻዩን ምስ እግዚኣብሔርን ክራኸብ ዘለዎ ሓረርታ መሠረት ዝፍጽሞ መንፈሳዊ ጉዕዞ ዘጉልሕ ኢዩ። ቅዱስነቶም ምስ መንፈሳዊ ነጋድያን ኰይኖም ካብቶም መንፈሳውያን ነጋዶ ሓደ ኮይኖም ከም ኣማንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ጉዕዞ ከምዝኾነን፣ ብዙሓት እቲ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ብሕጅን ደሓኣርን መልክዕ ክንበር ከምዘለዎ ዘረድእ መንፈሳዊ ጉዕዞ ምዃኑን፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሰብኣዊ ጉዕዞ ብእማኔ ዘረጋግጽ ኢዩ ኢሎም።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ናይታ ኣብ 1882 ዓ.ም. ሥነ ሓናጺ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ብዓቢይ ድላይ መንፈሳውነት ብዘለዎ ናይ ሊጡርጊያ ሊቅነት መሠረት ዘንቐሎ ሕንጸት ሥዱስ ስፍራ ቅድስቲ ሥድራ ቤት ገና ምሉእ ብምሉእ ኣብ 2030 ዓ.ም. ዝፍጸን ምዃኑ ዝንገረሉ እውን እንተኾነ ሓፈሻዊ ሕንጸት ናይቲ ቅዱስ ሥፍራ ዝተጠቓለለ ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጽባሕ ብዕሊ ክባርኽዎ ምዃኖም ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ ናይ ሥነ ሕንጸት ሊቅ ጋውዲ መንፈሳዊ ድላይን ፍልጠት ሊጡርጊያን ዘንቀሎ እንተኾነ፣ ዓሚዩቕ እምነትን እንታይነት ሸቶ ሥነ ጥበብን ዘንጸባርቕ፣ ወዲ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ክርስቶስን እግዚኣብሔርን ንኽራኸብ ዘለዎ ሓረርታ ዝነብረሉ ቅዱስ ሥፍራ ኢዩ ኢሎም። ግዳማዊ መናድቕ ናይቲ ቅዱስ ሥፍራ ቅዱስ ቤተ ሰብ ንኢኣማንያን እውን እንተኾነ ብጥልቀት ኵነት ፍጥረት ሰብ ዝትንትንን ቋንቋኡ ድማ ብሥራት መደብ ምድሓን ኣምላኽ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ምስ ኵሉ ሕዝቢ ሓቢሮም ኣብዚ ቅዱስ ሥፍራ ክጽልዩን ጽባሕ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ሕሙማንን ተራኺቦም፣ ኵሉ ዝለውጥ ፍቕሪ ከምዝኾነን ነዚ ስቓይ ናብ ተስፋን ሓጎስን ዝልውጥ ፍቕሪ ዘይንጸባርቕ ማኅበር ኣመንቲ ፈጺሙ ክህሉ ከምዘይክእል ክምስክሩ ኢዮም ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.