2010-11-06 14:27:14

መበል 18 ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ እስፐይን ናብ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላን ባርሶለናን ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኽገብሩ ሎሚ ንጋሆ ሰዓት 8፡30 ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩምቺኖ ነቂሎም። ናይዚ ክሊ እዚ ጳጳስ ፖቶ ሳንታ ፉና ብፁዕ አቡነ ጂኖ ረኣሊ ኣፋንዮሞም።

ቅዱስነቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ነቀሉ ንርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ተለግራም ሰዲዶም፤ ትሕዝቶ ናይቲ ተልግራም ድሕሪ ሰላምታ ዓመት ኮምፖስተላኖ ብምዃኑ ንንግደት ናብ ሳንትያጎ ንቡራኬ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ሥድራቤት ናብ ባርሰሎናን ንክኸዱ ካብ ሮማ ኣብ ዝነቅሉሉ ንናፖሊታኖን መላእ ሕዝቢ ዓዲ ጣልያንን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝህቡ ገሊጾም። ከማኡ እውን ብል ዕሊ ክሊ ኣየር ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈሉ ግዜ ተመሳሳሊ ተለግራም ናብ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኒኮላስ ሳርኮዚ ሰዲዶም።

ኣብ ነፋሪት እናተጓ ዕዙ ከለው ቅዱስነቶም ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎም ሕቶ እውን መሊሾም፤ እተን ሕቶታት ብዛዕባ ንግደቶም ብዛዕባ ኣብ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ሥድራ ዘሎ ሥነ ጥበባዊ ሥርሓትን እምነትን ዘሎ ርክብ፤ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝድይቡ ናብ እስፓኛ ንዓመታ ንዕለተ ዓለም ለኸ መንእሰያት ንሣልሳይ ግዜ ክኸዱ ኢዮም ነዚ ኣመልኪቶም ጋዜጠኛታት ፍሉይ ጸገም ስለዘሎ ድዩስ ፍሉይ ፍቅሪ ኣብ ውሑድ ዓመታት ሠለስተ ግዜ ምብጻሕ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ዘቈምዎ ሓዲስ ስብከት ወንጌል ን ኤውሮጳ ምስዚ ክተሓሓዝ ይከኣልዶ ንዝብል ሕቶታት መልሲ ሂቦም።

ድሕሪ ናይ ሠለስተ ሰዓት በረራ ቅዱስነቶም ብሰላም ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ በጺሖም። ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ እትበሃል ከተማ ናይ ጋሊዝያ ዝበሃል ክፍላ እስጳኛ ዋና ከተማ ኢያ፤ 93 ሺሕ ነበርቲ ኣለውዋ፤ ብ1492 ኮሎምቦስ ን ኣመሪካ ዝረክብ በጥንታውያን ሮማውያን መወዳእታ ጫፍ ምድሪ ተባሂላ ትስመ ዝነበረት ኢያ፤ መንበረ ሊቀ ጳጳስ እውን ኢያ፤ ኣብ ትሕቲ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ 92% ካቶሊኽ ዝኾነ 1.3 ሚልዮን ሕዝቢ ኣሎ፤ 1.069 ቊምናታትን ካል እ ማእከላትን ይርከባ።

ቅዱስነቶም ካብ ነፋሪት ምስ ወረዱ ናይ ኣስቱርየ ልዑላን መሳፍንትን ሊቀ ጳጳስ ናይታ ዓድን ድሙቅ ኣቀባብላ ጌሮምሎም። ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ተቅባል እዚ ዝፍጸመሉ ሓዲስ ተርሚናል ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምዃኑ ንሶም ክባርኽዎ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ተቅባል ሥርዓት ናይ ማእከላይ መንግሥቲ ወከልቲ ሰበ ሥልጣንን ር እሱ ናይ ዝኸኣለ መንግሥቲ ጋሊዚያ ሰበ ሥልጣንን ናይቲ ከተማ ከንቲባን ካርዲናላትን ኣባላት ጉባኤ ጳጳሳት ሃገር እስፓኛን ብዙሕ ምእመናን ነሮም።

ኩሎም በቦታኦም ምስ ሓዙ ናይ ኣስቱርየ ል ዑል መስፍን ናይ እንቋ ዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስምዑ፤ ቅዱስነቶም ብዝተገብረሎም ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፤ ኣባኡ ንዝተቀበልዎምን ንብምሉኦም ሕዝቢ እስፓኛን ንኩሎም በመራኸቢ ብዙኃን ዝከታተልዎምን ሰላምታ ኣቅሪቦም ሕይወት ወዲ ሰብ ጉዕዞ ምዃኑ እዚ ጉዕዞ እዚ ኸኣ

ሓቂ ንምድላይ ኢዩ፤ ቤተ ክርስትያን ከኣ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ተሰንዮ፤ ወዲ ሰብ ሓቂ ንምርካብ ዚኣክል ሃሰሳን ጉዕዞን ምስ ኣካየደ ቤተ ክርስትያን ብእምነት ብተስፋ ብፍቅሪ ኣሰንያ ንሳ እውን ብግዲኣ ኣብዚ ምድሪ እዚ እትገብሮ ጉዕዞኣ ብግብረ ሠናይ ኣብ ሆስፒታላት ኣብ ቤት ትምህርታት ትሕግዞ፤ እዛ ሃገር እዚኣ ንቤተ ክርስትያን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበረት ኢያ፤ ዓበይቲ ቅዱሳን ከም በዓል ቅዱስ ኢግናጽዮስ በዓል ለዮላ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል

ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ሳቨርዮ ዘበርከተት ሃገር ኢያ፤ እንክብሉ ሃገረ እስጳኛ ኣብ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝበርከተቶ ብሰፊሑ ገሊጾም፤ ኣብ ሎሚ ዘሎ ሃዋህው ምልስ ቢሎም ድማ፤ ከምቲ ዝክረ ጥ ዑም ር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብዚ ቦታ እዚ ዝገበርዎ ሓደራ ክደግም እፈቱ፤ እስጳኛ ከማቲ ንናይ ቀደም ኤውሮጳ ሡር ክርስትና ብምትካል ዝሃነጸቶ ሎሚ እውን ነዚ ሓቂ ሃሰስ ዝብል ዘሎ ወዲ ሰብ ንኩሉ መልሲ ዝኸውን መሠረታዊ ሓቅን ነዚ ሓቂ እዚ ዝቅበል እምበር ዘየቁስል ነጻነትን ንድኻታትን ዝተረስ ዑን ፍትሕን ክትህብ እላቦ እንክብሉ ብንዋታውን ግዝያውን ነገራት ዘንጸባርቅ ዘይኮነ መንፈስ ዘለዎ ሓቅን ነጻነትን ፍትሕን ከንግሡ ተላቢዮም።

ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ናብ ካተድራል ናይ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ብምኻድ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊኦም ስግደትን ኣስተንትኖን ገሮም፤ ነቶም ኣብ ቅር ዓት ካተድራል ዝነበሩ ምእመናን ሰላምታ ኣቅሪቦም፤ ኣብቲ ካተድራል ኣብ ዝርከብ መቃብር ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያዊ ብሕታዊ ጸሎት ኣዕሪጎም።

ናይ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባርዮ ባርዮ ናይ እንቋ ዕ ደሓን መጻእኩም ዲስኩር ምስ ኣቅረቡሎም፤ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ብኹሉ ኣመስጊኖም ከም ኩሎም ምእመናን ንንግደት ከምዝመጹ ንግደት ኣፍ ኣዊ ነገራት እናረ ኣኻ ኮለል ዘይኮነ ብመንፈስ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም፤ ኣብዚ ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ንንግደት ክመጽ እ ከሎ እግዚአብሔር ከምዝሓቁፈና ከምዝልውጠና ብም እማን ኢዩ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝሓቁፈና ንሕና ከኣ ብግደና ኣሕዋትን ክንሓቊፍ መሠረታዊ ሓቀኛ ነጻነት ክንፈግሎም ከምዘይብልና ገሊጾም፤ ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ሓቅን ነጻነትን ጥቡቅ ርክብ ስለዘሎ እታ ሓንቲ ብዘይታ ካል ኣይቲ ክትህሉ ከምዘይትኽ እል ኣሚቶም ሓቅን ነጻነትን ክነግሳ ሓደራ ቢሎም፤ ወዲ ሰብ ንሓቅን ፍትሕን ነጻነትን ዘይደሊ እንተዝኸውን ኩሉ ከንቱ ምኾነ፤ ቤተ ክርስትያን እውን ኣብዚ ጉ ዕዞ እዚ እጃማ ክተበርክት ሓደራ እንክብሉ ዘረባኦም ዛዘሙ።

ኣብ ናይ ምሸት መደብ ዋና ምኽንያት መገሻኦም ዝኾነ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ኮምፖስተላኖ ቅዳሴ ኣብ ቅር ዓት ኦብራዶይሮ ንኸዕርጉ ሰዓት 4፡30 ኣብታ ካተድራል ተመሊሶም።

ኣብዚ እውን ናይ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባርዮ ባርዮ ናይ እንቋ ዕ ደሓን መጻእኩምን ቃለ ምስጋናን ምስ ኣቅረቡ ቅዳሴ ተጀሚሩ፤ ኣብ ማእከል ቅዳሴ ነታ ንጋሆ ዝጀመርዋ ሥርወ ሓሳብ ብምቅጻል፤ ወዲ ሰብ ንሓቂ ከምዝደልን ሕይወቱ ከኣ ጉዕዞ ከምዝኾነን እንደገና ድሕሪ ምብራህ እዛ ሓቂ እዚኣ ኣብ ክርስቶስ ከምትርከብ ገሊጾም። ሐዋርያት ትንሣኤ ክርስቶስ መስኪሮም ሎሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ግደ ነዚ ምስክርነት ናብ ኩሉ ምብጻሕ ኢዩ፤ ኤውሮጳ ሎሚ ካብ እግዚአብሔር ርሒቃ ተጸጊማ ትርከብ ኣላ፤ መዋቲ ዝኾነ ወዲ ሰብ ከመይ ገቢሩ ንርእሱ ከቊውም ይኽ እል፤ ሓጢኣተኛኸ ከመይ ገቢሩ ባዕሉ ብባዕሉ ክዕረቅ ይኽእል፤ ኣብ ጸልማት ክንበር ከምዘይከኣል ብዘይ እግዚአብሔር እውን ክንበር ኣይከኣልን፤ እንክብሉ ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ ክብሪ እግዚአብሔር ስለ ዝምርኰስ ክሕደት እግዚአብሔር ከምዘየዋጽእ ኣብሪሆም፤ ኣብ መወዳእታ ንወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ወዲ ሰብ ከየኽበርካ ንእግዚአብሔር ምኽባት ኣይከኣልን፤ ስለዚ እዛ ም ዕብልትን ብልፅግትን ዓዲ ሊቃውንትን ዓዲ ተክኖሎጅን ኤውሮጳ ልባን ኣእምሮኣን ናብ እግዚአብሔር ትኽፈት፤ ነዚ ኸኣ በቲ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ወዲ ሰብ ኣቢላ ስለትበጽሖ ንኩሉን ንማንምን ሓቅን ነጻነትን ፍትሕን ተውጽእ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ድሕሪ ቅዳሴ ምስ ናይ ሕዝባዊ ፓርትን ናይ ፖሊቲካውያን ተቋወምቲ ኣቦ መንበርን ራጆይ ብረይ ምስ መሣርሕቶም ረኺሞ ከዘራርቡ ብድሕሪኡ ንባርሰሎና ንክነቅሉ ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ኽኸዱ ኢዮም።

ኣጋ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9፡00 ኣብ ባርሰሎና ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር። ጽባሕ ንጋሆ ሰዓት 9፡30 ምስ ንጉሥ ኽዋን ካርሎስ ቀዳማዊ ናይ እስጳኛን ቤተ ሰቦምን ተራኺቦም፤ ሰዓት 10፡00 ኣብቲ ናይ ቡራኬ ቅዳሴ ናይ ሳግራዳ ፋሚሊኣ ቅድስት ሥድራ ቤተ ክርስትያን ክሠርዑ ኢዮም፤ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ክመርሑ ኢዮም፤ ፍርቂ ቀትርን ፈረቃን ምስ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ስፓኛ ምሳሕ ምስ በልዑ ንኣላዪ ዘይብሎም ሕጻናት ዝተሓንጸ ሕንጻ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክበጽሑ ኢዮም፤ ናብ መንበሮም ገጾም ዚጓዓዙሉ ኣጋ ምሸት ሰዓት 7፡15 ካብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ባርሰሎና ከምዝነቅሉ ተመልኪቱ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.